August 26, 2016

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣህጉራዊ መርመራ
ብዛዕባ ጃምላዊ ህልቂት ይነጽግ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣህጉራዊ መርመራ ብዛዕባ ጃምላዊ ህልቂት ይነጽግ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ወተሃደራውን ጸጥታውን ኣሃዱታቱ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ዝፈጸምዎ ጃምላዊ ህልቂት ንምምርማር ክኢላ ጉጅለ መርመርቲ ክልኣኽ ዝቀረበ ጠለብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነጺጉዎ። እቲ ዘገርም መንግስቲ ኢትዮጵያ ሻርነት ዘይብሉ ኣህጉራዊ መርመራ ንምክያድ ንዝቀረበ ጠለብ ንምንጻግ ዘቅረቦ ምኽንያት፡ “ብዛዕባ’ቲ ኣብዚ መጨረስታ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ህልቂት ኣህጉራዊ መርመራ ምክያድ ኣገዳስነት የብሉን፡ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ናይ ብሓቂ ሓይሊ ተጠቂሞም እንተ ድኣ ኮይኖም መንግስቲ ኢትዮጵያ ባዕሉ መርመራ ከካይደሉ’ዩ” ክብል ገሊጹ። ካብዚ ክንርድኦ እንኽእል ከኣ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ መጀመርያ ናብ ወተሃደራውን ጽጥታውን ኣሃዱታቱ ንህዝባዊ ተቃውሞ ንምብርዓን ዝተፈላለየ ዓይነት ኣጽዋር ክጥቀሙ ትእዛዝ ሂቡ ከብቅዕ፡ ነቲ ብቀዳምነት ንሱ ዝሕተተሉ ኣረሜናዊ ገበን ባዕሉ መርመራታት ከካይደሉ ምባሉ እቲ ውጽኢት እንታይ ከም ዝኸውን ርዱእ ነገር እዩ።

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ህዝባዊ ሰልፊ ካብ 600 ዘይውሕዱ ሰላማውያን ዜጋታት ኢትዮጵያ ቀቲሎም ኣለዉ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ንፖሊሲ ናይ’ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ናይ ውሑዳት ስርዓት ብሰላማዊ መገዲ ይቃወሞ ኣሎ። እቲ ስርዓት ኣብ ኦሮሞ ናይ ሓረስቶት ስቡሕ መሬት ክምንዝዕ፡ ብዋጋ ጎንደርን ወሎን ንክልል ትግራይ ከስፍሕ፡ ኣብ ምብራቃዊ፡ ምዕራባውን ደቡባውን ክልላት ኢትዮጵያ ምልካዊ ምሕደራኡ ንምውሓስ ናይ ምጭፍላቅ ፖሊሲ ክኽተል፡ ንሃገር ኣብ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቊጠባዊ፡ ወተሃደራውን ጸጥታውን ዓዘቅቲ ዝሸምም ናይ ከፋፊልካ ግዛእ ፖሊሲ ከተግብር ይርከብ። እዚ ድማ ንኢትዮጵያ በዚ ሕጂ ዘላቶ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝሓዘቶ መልክዕ ንምቅጻል ዘለዋ ተኽእሎ ናብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ።

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie