January 18, 2012

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ንዝካየዱ መጥቃዕትታት ምስ ኤርትራ ከተኣሳስሮም ዝህቅነሉ ምኽንያት። ገበናቱ ንምሽፋን ከምዝኾነ ተገሊጹ፣

ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቶም ዘለዉ ውሽጣዊ ተቓውሞታት። ጠንቆም ወያነ ዝኽተሎ – ንኹሎም ህዝብታት ዝሃመሸ ናይ ሓደ ንእሽቶ ጉጅለ ዕብለላ ዘረጋግጽ ግጉይ እስትራተጂን ፖሊሲን ምዃኑ። ብ18 ጥሪ 2012 ዝወጸ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓቢሩ፣

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኩሎም ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ዝካየዱ መጥቃዕትታት – እንተላይ ናይ 16 ጥሪ 2012 ኣብ ክልል ዓፈር ተኻዪዱ ዝበሃል ዘሎ መጥቃዕቲ ምስ ኤርትራ ከተኣሳስሮ ዝህቅነሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ድማ። ነቲ ኣብ ኣሳሰይቱ ኣጽሊሉ ሉዓላዊ መሬት ኤርትራ ብምጕባጥ ጥሒስዎ ዘሎ ሕጋዊ ገበናት ንምሽፋንን ኣቓልቦ ኣህዛብ ካብ’ዚ ሕጋዊ ሓዲድ ንምንሽርታትን ምዃኑ። እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ፣

ምሉእ ትሕዝቶ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ድሕሪ ዜናዊ መሰናድኦና ክቐርብ’ዩ፣

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ