August 29, 2022

መደረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ
ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ 8ይ ዋዕላ TICAD

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተጋባእቲ
ምስጋና ንተገዳስነት መንግስቲ ጃፓንን ኣሰናዳእቲ ዋዕላን
ተበግሶ ‘ኣህጉራዊ ዋዕላ ቶክዮ ንልምዓት ኣፍሪቃ’ – “TICAD” ኣብ 1993 ካብ ዝተወስደሉ ንደሓር፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ኣስታት 30 ዓመታት፡ ንናይ ኣፍሪቃ ብድሆታት ልምዓትን መትከላት ኣፍሪቃዊ ዋንነትን ኣብ መቓን “ኣህጉራዊ ሽርክነት” ዝተጨበጠ ገስጋስ፡ ዕቱብ መርተዖኣዊ ገምጋም ዝሓትት’ዩ። ስለምንታይ’ሲ፡ እንተድኣ ሓባራዊ ክብሪታትን ሸቶታትን ንምስፋሕ ተደልዩ፡ ካብ ዝሓለፈ ተመኵሮታትና ተማሂርና፡ መጻኢ ገስጋስና ከነሐይል ስለዝግባእ።ናይ’ዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዓለማዊ ኩነታትን ምዕባለን፡ ድሕሪ ምኽታም ዝሑል ኲናት፡ ኣተሓሳሰብቲ ተርእዮታት ዝተኸስቱሉ መዋእል’ዩ ነይሩ። ጸቢብን ናይ ውሑዳት-ውሑዳትን ሃይመና ንምንጋስ ተባሂሉ፡ ምግሃስ ኣህጉራዊ ሕጊን ናጽነትን ልዑላዊነትን ህዝብታትን ሃገራትን፣ ዝምታ ሃብቲን ጸጋታትን “ዘይማዕበላ” ሃገራት፣ ዘይርትዓዊ ምቕርሐ ሃብትን እቶትን፣ ምጕባጥን ዓሎቕን፣ ምትእትታዋትን እገዳታትን፣ ሽበራን ቅልውላዋትን፣ ብልውሽናን ምምዝባልን ፍልሰትን፣ ምልማስን ምርማስን ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ውድባት

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ