May 25, 2026

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ንሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ዓለምን፣ ምስ ፈተውቱ ተቓለስቲ ህዝቢታት ዓለም – ዮሃና!
ዓመት-ዓመት፡ ነዛ ዕዝዝቲ ዕለት ንምምዕራግ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓይነታዊ መሰናድኦታት ንዝወደቡን መልእኽቲታት ዮሃና ንዝለኣኹን ፈተውቲን ልዑል ምስጋና!
ብቕያ መኸተ ሓርነታዊ ቃልሲን መስዋእትን 50 ዓመታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 35 ዓመታት ኣንጻር ዝተፈላለየ ተጻብኦን ሽርሒታትን መጥቃዕትን ኣብ ምክልኻል ዝተኸፍለ መስዋእቲ፡ ምስ ጥሙር ልምዓታዊ ተጋድሎ ደሚርካ ክርአ እንከሎ፡ ዓመት-ዓመት ዝዝከር በዓል፡ መለክዒ ጉዕዞን