September 1, 2022

መግለጺ ህዝባዊ ግንባር፡
ብምኽንያት መበል 61 ዓመት
ምጅማር ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሲ

ባሕቲ መስከረም፡ ዕለተ ምፍላም ብረታዊ ቃልሲ፡ ሃገራዊ ኣውደ-ዓመት ዝኽርን መብጽዓን እያ። ሎምዘመን መበል 61 ዓመት ምጅማር ሓርነታዊ ብረታዊ ተጋድሎና ክንዝክር ከሎና እምበኣር፡ ከም’ቲ ናይ ወትሩ ያታና ብዛዕባ ዝሓለፍናዮ ጉዕዞ ታሪኽና፡ ብፍላይ ከኣ ታሪኻዊ ተመክሮታት ሃገራዊ ቃልስና ከነሰላስል ግቡእ እዩ። ምኽንያቱ፡ ታሪኻዊ ዝኽረትን ንቕሓትን መሰረት ህላዌናን መንነትናን ሓድነትናን ስለ ዝኾነ፡ ቀጻልነት ታሪኽና ብምርግጋጽ ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ መበገሲናን ሕሉፍ ዘይብሉ መጻኢ ስለ ዘየለ ከኣ መወከሲ መጻኢናን እዩ። እቲ ናጻ ኤርትራ ዝፈጠረ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውዱብ ህዝባዊ ግንባርን፡ ናጽነታ ዝዓቀበትን ነብሳ እትኽእልን ንኹሎም ዜጋታታ እትኸውንን ድልድልቲ ሃገር ብምህናጽ፡ ቀጻልነት ታሪኹ ንምርግጋጽ ጽኑዕ መበገስን ሓያል ደራኽን ከም ዝኾኖ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 31 ዓመታት ናጽነት፡ ግድላትን ብድሆታትን ምህናጽ ሃገር ኣብ ምግጣምን፡ ግዳማዊ

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ