September 1, 2023

መግለጺ ህዝባዊ ግንባር

መበል 62 ዓመት ምጅማር ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልስና ኣብ እንዝክረሉን እንጽንብለሉን ዘሎና ናይ ሎምዘበን ባሕቲ መስከረም፡ ከም ወትሩ ብዛዕባ’ቲ ዘይበሊ ታሪኻዊ ኣገዳስነቱን ትርጉሙን ከነሰላስል ግቡእ እዩ። ባሕቲ መስከረም ኣብ ኤርትራዊ ዓውደ-ኣዋርሕ፡ ከም መዓልቲ ዝኽርን መብጽዓን፡ ከም ሃገራዊ ኣውደ-ኣመት ዕዙዝ ቦታ ስለዘለዋ፡ ብመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገርን ዲያስፖራን ብኽብሪ ምጽንባላ ሃገራዊ ያታና ኮይኑ ኣሎ።
ኤርትራ ብነዊሕን ዘይክኣል ዝብሃል ዝነበረን ቃልሲ ካብ’ቲ ተጎቢጣትሉ ዝነበረት ሕሱም ኲነት፡ ብሓይላን ጽንዓታን ህላወኣ ብምስግዳድ ካብ ረመጽ ብቓልሲ ዝተወልደት፣ ድሕሪ ናጽነታ ከኣ ተኸታታሊ ወራራት ኣፍሺላ፡ ግዳማዊ ተጻብኦታት ሓያላት መኪታ፡ ናጻ ህላወኣ ብቓልሳ ዘረጋገጸት፣ ሕጂ’ውን ናይ ራህዋን ብልጽግናን መጻኢ ንምህናጽ ኣብ ነብሳ ተኣማሚናን ተመርኲሳን

download

Latest Articles

Keynote Address of Minister Fawzia Hashim at the...

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...