April 22, 2022

መጻሕፍቲ ስዉእ ተጋዳላይ
ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ

ነቲ ብብጻይ ስዉእ ተጋዳላይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ተደሪሱ ዝተዘርግሐ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ቅድሚ ምቅራበይ፡ ብዛዕባ ዝምድናታትና ኣብ ግዜ ቃልሲን ድሕሪ ናጽነትን ክጠቅስ እፈቱ። ንመጀመርታ ግዜ ዝተራኸብናሉ ኣብ 1969 ኣብ ሜዳ ምስ ተሰለፍኩ፡ ኣብ ሓደ ደጀን ሰውራ ኤርትራ ዝኾነ እምባ ገደም እዩ። ቅድሚኡ ካብ 1967 ጀሚረ ኣብ ምስጢራዊ ዋህዮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እየ ነይረ። ስዉእ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኣብ ራብዓይቲ ክፍሊ ሓላፊ ክፍሊ ሕክምና’ዩ ነይሩ። ኣነ ድማ ኣባል ናይ’ቲ ስዉኣት ተጋደልቲ ሙሳ ባቕርን ኣሕመድ ሓሰበላን ዝመርሕዎ ክፍሊ ዕጥቂእየ ነይረ። ካብ’ቲ እዋን’ቲ ጀሚሩ ከኣ ዝምድናታትና ደልዲሉ። ኣብ ግዜ ሰውራ ምስኡ ብዙሕ ቃለ መጠይቓት ገይረ ነይረ።ድሕሪ ናጽነት’ውን ብመገዲ ማእከል እስትራተጂያዊ መጽናዕቲ ኤርትራ ዓሚቊ ቃለ መጠይቓት ኣካይደሉ ኣሎኹ። ከምኡ’ውን ከም ኣባል ልኡኽ ሃገረ ኤርትራ ምስኡ ናብ ፓሪስ፡ ኻርቱምን ከሰላን ከይደ ኣሎኹ። ብተወሳኺ ምስኡ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ኣብ ገለ ርክባት መንግስቲ ኤርትራን

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ