February 29, 2020

ሚ/ር ኣስካሉ መንቆርዮስ
“እቲ ዝዓበየ ዓወት ሃማደኤ፡ ኣብ ኣተሓሳስባ
ደቀንስትዮ ዘምጽኦ ለውጢ’ዩ!”

ካልሹም መሓመድ ደባስ
ኣግእዞ

ሃገራዊ ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራ (ሃማደኤ) በብመድረኹ እናተለወጠን እናማዕበለን ዝመጸ ማሕበር’ዩ። ክጅምር ከሎ ምሉእ ብምሉእ ብኣላይነትን ደገፍን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ እዩ ተተኺሉ። ኣብቲ ዝደልደለሉ እዋን ድማ ሃገር ናጻን ልኡላዊትንኮይና፡ ማሕበር እውን ርእሱ ክኽእል ፋሕተርተር ክብል ነይርዎ። ኣብቲ መድረኽ’ቲናይ ሎሚ ሚኒስተር ቱሪዝም ተጋዳሊት ኣስካሉ መንቆርዮስ ኣደመንበር ናይቲ ማሕበር እያነይራ። ወይዘሮ ኣስካሉ ኣብ መወዳእታ 1974 ናብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፋ። እቲ እዋን’ቲመንእሰይ ኤርትራ ንናጽነት ካብ ምቅላስ ምእንቲ ክሰናበድ፡ ስርዓት ሃይለስላሰ፡ ነቶምኣብ ኢድ ጸላኢ ዝወደቑ ተጋደልቲ ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ (ኣብዚ ሕጂ መዋፈሪ ኣውቶቡሳት ኮይኑ ዘሎ ናይ ሽዑ ዕዳጋ ከብቲ) ብማሕነቕቲ ቀቲሉ፡ ህዝቢ ነቲ ክፉእ ትርኢት ከምዝዕዘቦ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን እዩ ዝነበረ። ጦር ሰራዊት “እምቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጉርሰው! ኣፈር ኣልብሰው” (እምቢ ዝበለ ጥይት ኣኾልሶ፡ ሓመድ ኣልብሶ) እናበሉ ህዝቢ ከርዕዱ ዝራገጹሉን ዝፍክሩሉን ዝነበሩ ግዜ። ኣብቲ እዋን’ቲ እያ ተማሃሪት ኣስካሉ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ኣብ ኣስመራ ዛዚማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክትከይድ ዝተገደደት። ዩኒቨርሲቲ

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ