October 24, 2015

ምርቃቕን ምድብታርን ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ሃገረ-ኤርትራ

ምርቃቕን ምድብታርን ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ሃገረ-ኤርትራፈውዝያ ሃሺም
ሚኒስተር ፍትሒ
ብመሰረት ዓንቀጽ 2(4) (5) ናይ ሕጋዊ ምልክታ 14/1993 ሓላፍነት ምንዳፍን ምድብታርን ሕግታት ዘሎዎ ሚኒስትሪ ፍትሒ፣ መሰረታውያን ሕግታት ንኺነድፍ መንግስቲ ሓላፍነት ምስ ሃቦ፣ ምኵራት ኣህጕራውያን ሰብ ሞያ ሲቪላዊ ስርዓት ምስታ ብኤርትራውያን ክኢላታት ሕጊ ዝቘመት ኮሚቲ ምምሕያሽ ሕጊ ተወሃሂዶም ከም ዝሰርሑ ብምግባር ንመስርሕ ምንዳፍ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ኣበጊሱዎ።

ኮሚቲ ምምሕያሽ ሕጊ ሓጺር፣ ብቐሊሉ ኽትርድኦ ዚከኣልን ምስ ክብርታትን ባህግታትን ህዝቢ ኤርትራ ዚኸይድን ንድፊ ሕጊ ንኸተዳሉ መምርሒ ተዋሂብዋ። ናይ መጀመርታ ንድፊ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ድሕሪ እቶም ዝቐጸሉ ኣኼባታት፣ ርክባት፣ መጽናዕትታትን ወኸሳ ንተመኵሮታት ካልኦት ሃገራትን ቀሪቡ። ምቕራብ ናይቲ ንድፊ ተኸቲሉ፣ ሚኒስትሪ ፍትሒ፣ ኣብቲ ንድፊ ርእይቶታትን ሓሳባትን ንምእካብ ንዚምልከቶም ኣካላት ዘሳተፈ ኣኼባታት ኣቃንዐ። ስዒቡ ኸኣ፣ ኣብቲ ንድፊ ንኽዛተዩን ንኽካትዑን ዳያኑ፣ ኣኽበርቲ ሕጊ፣ ጠበቓታት፣ መምህራን ሕጊ፣ መኰንናት ፖሊስን ካልኦት ሰብ ሞያ ሕግን ዝተሳተፍዎ ተኸታታሊ ኣኼባታት ተኻዪዱ።

ካብ ፈለማ መስርሕ ምንዳፍ ናይዚ ሕጊ ክሳዕ እዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ፣ እቲ ሲቪላዊ ጕዳያት ንምድናይ እንኽተሎ መስርሕ ፍትሓዊ፣ ስሩዕን ስሉጥን ከም ዚኸውን ንምርግጋጽ ዘይሕለልን ቀጻልን ጻዕሪ ኺካየድ ጸኒሑ። ረብሓ ህዝቢ ብሓፈሻ፣ ረብሓ ሰብ ጕዳይ ድማ ብፍላይ፣ ጕዳያት ብዘይ ብዙሕ ኰለል ከም ዚውሰኑ ምግባር ይሓትት። እዚ ሕጊ፣ ምዕሩይ ኣተሓሕዛ፣ ኣቐዲሙ ኪግመት ዚከኣልን ርጉጽን ውጽኢት ዘውሕስ መስርሕ ፍትሒ ንምርግጋጽ ዚዓለመ እዩ።

ፈውዝያ ሃሺም
ሚኒስተር ፍትሒ
15 ግንቦት 2015

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ