October 11, 2025
On Oct 10, 2025
ብ2 ጥቅምቲ 2025 ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶንዮ ጉተሬዝ፡ ንካልኣይ ግዜ ናይ ክሲ ደብዳበ ጽሒፉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰነ እውን፡ ‘ኤርትራ ንህወሓትን ፋኖን ብምድጋፍ ኣብ ክ ራማት 2025 ሰፊሕ መጥቃዕቲ ክትፍንወልና መደብ ሒዛ ኣላ’ ዝብል ክሲ ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ብሕጊ ዝተዓጸወ ጉዳይ ብምልዓል፡ ጽልኢን ቅርሕንቲን ንምጉሃር፡ እንተተኻኢሉ እውን ኲናት ንምብራዕ፡ ስርዓት ብልጽግና ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ከካይዶ ዝጸንሐ፡ ኣእዛን ዘሰልከየ ዘመተ-ባሕሪ ዝተኸታተለ፡ ኤርትራ ክትከስስ’ዩ ዝጽበ። ምኽንያቱ ብዓንቀጽ 2 (4) ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንጻር ልዑላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን