July 16, 2016

ርእይቶታትን ትዕዝብቲታትን ኣርባዕተ ኣህጉራውያን
ተመራመርቲ ብዛዕባ ኤርትራ

ዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ

ብርክት ዝበሉ ጽሓፍትን ተመራመርቲን ኣዕሩኽ ኤርትራ ኣብ ብሩራዊ ኢየቤሉ በዓል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝተሳተፍሉ እዋን፡ ኣብ ሃገራውያንን ኣህጉራውያንን ማዕከናት ዜና ርእይቶታቶምን ትዕዝብቲታቶምን ሂቦም ነይሮም። ካብዚ ቀጺልና እምበኣር ጽማቚ ርእይቶታትን ትዕዝብቲታትን ናይ ኣርባዕተ ካብኣቶም ነቅርብ።

ዶክቶር ኢብራሂም ነስረዲን

ርእይቶታትን ትዕዝብቲታትን ኣርባዕተ ኣህጉራውያን ተመራመርቲ ብዛዕባ ኤርትራياምስራዊ ተመራማሪ፦
ዶክቶር ኢብራሂም ነስረዲን ምስ ጋዜጣ “ኤሪትርያ ኣልሓዲሳ” ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ብፖለቲካውን ወተሃደራውን መዳይ ኣብ ሓርነታውያን ምንቅስቓሳት ኣፍሪቃ ብዘለዎ ተመኩሮ፡ ሰውራ ኤርትራ በዚ ዝስዕብ ምኽንያታት ናይ ብሓቂ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ክበሃል ዝከኣል ምንቅስቓስ ኣፍሪቃ’ዩ ምስ ገለጸ፡ ምኽንያታቱ ብኸምዚ ዝስዕብ የብርህ።

ቀዳማይ፦ ሰውራ ኤርትራ ተፈላጥነት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ዘይረኸበሉ ኩነታት ተመስሪቱ ከብቅዕ ብጽንዓት ቀጺሉ ድማ ተዓዊቱ።
ካልኣይ፦ ነቶም ምስ ተኸታተልቲ ስርዓታት ሃጸይ ሃይለ ስላሰን ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያምን ደው ዝበሉ ምዕራባውያንን ምብራቓውያንን ደምበታት ንበይኑ መኪቱዎም ኣብ መጨረስታ ድም ተዓዊቱ።

 

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን