September 22, 2018

ሰነ-ጽሑፍኣመዓባብላኡን ተራኡ ኣብ ሰውራን

መእተዊ
ኣገዳስነትን ተራን ሰነ-ጽሑፍ ኣብ ሰውራ ንምብራህን ወፈያ ሰን-ጽሑፋዊ ስራሓት ንምብርባርን ብመጽሔት ይዂን ብሰሚናራት፡ ብተደጋጋሚ ተጻሑፉሉን ተዘሪቡሉን`ዃ እንተዀነ፡ ከምቲ ዝድለ ውጽኢት ይህብ ከምዘየለ ንኹሉ ብሩህ እዩ። በንጻሩ ግን ኣብ ሰውራናን ሕብረተ-ሰብናን ዝመጽእን ዝካየድን ዘሎ መስተንክራዊ ምዕባለን ሱር በተኻዊ ለውጥን፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብ ሰዓት ናብ ሰዓትን ካብ ደቒቕ ናብ ደቒቕን`ውን ከይተረፈ ብቕልጡፍ ፍጥነት ይጓዓዝ ከም ዘሎ ኣየካትዕን። ክንዲ ዝዀነ ድማ ነቲ ሰን-ጽሑፋዊ ስራሓት ናይ ምስፍሕፋሕ ጠለብ ብዝያድ ድሙቕን እዋናውን ይገብሮ። ክፍሊ ፓለቲካዊ ምንቕቓሕ ነዚ ሕቶ`ዚ ብግቡእ ንምምላሽ፡ ኣቐዲሙ ነቲ ንምዕባለን ምስፍሕፋሕን ሰን-ጽሑፍ መሰረት ዝዀነ፡ ናይ ምጥፋእ መሃይምነት ቀለማዊ ትምህርቲ፡ ወላ ብዝተሓተ ደረጃ ናይ ምዝርጋሕ ዕማም ኣተኲሩሉ ጸኒሑ። እዚ ዕማም`ዚ ግን ገና ነዊሕን ሓያልን ቃልሲ ይሓትት ኣሎ። ይዂን`ምበር፡ ዘመተ ምጥፋእ መሃይምነት…

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን