November 7, 2015

ሲቪላዊ ሕጊ ሃገረ- ኤርትራ

ሲቪላዊ ሕጊ ሃገረ- ኤርትራመቕድም
ሰላም፣ ፍትሕን ራህዋን ዚሰፈና ብዅለንትናኣ ድማ ድልድልትን ስልጥንትን ሃገር ኣብ ምህናጽ ንመሰላትን ግቡኣትን ሕብረተሰብ ብግቡእ ዚገልጹ ሕግታት ኪህልዉ ይግባእ። ሓደ ኻብዞም ሕግታት ሲቪላዊ ሕጊ እዩ። ድሕሪ ናጻነት መላእ ሃገር ክስርሓሉ ዝጸንሐ ሲቪላዊ ሕጊ ከከም ኣድላይነቱ ምሕየሻ፣ መተካእታታትን ስረዛታትን ብምግባር መሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ተባሂሉ ኣብ 15 መስከረም 1991 ብኣዋጅ ቍጽሪ 2 ናይ 1991 ከም ዝቐውም ተገይሩ።

መሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ኣብ ተግባር ከሎ፣ ሕግታትና ምስ ምዕባለ ሃገርናን ዓለምን ምእንቲ ኪኸዱ ምምሕያሻት ከም ዘድልዮም እናተነጸረ ኸደ። ምስ ኵነታትና ዚኸይድ፣ ካባና ዝነቐለ፣ ንብዙሕነትናን ሃገራዊ ኽብረታትናን ዘንጸባርቕ ሕጊ ከም ዘድሊ ድማ ሕሉፍ ተመኵሮና የመልክት። ብተወሳኺ፣ ዜጋታት ብዚፈልጡዎ ቛንቋን ብዚመልኩዎ ኣገባብን መሰላቶምን ግቡኣቶምን ከም ዚርድኡን ተማእዘዝቲ ሕጊ ድማ ከም ዚዀኑን ምግባርውን ካልእ ከም ተመኵሮ ዝተወስደ ነጥቢ ነበረ። ንዝሓለፉ ተመኵሮታት ኣብ ግምት ብምእታውን ነዊሕ እዋን ድሕሪ ዝወሰደ መስርሕ ምንዳፍን ከኣ እዚ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ንኺትግበር እንሆ ተቐሪቡ።

ሰብ ተወሊዱ ክሳዕ ዚመውት ንመሰላቱን ግቡኣቱን ብንጹር ከም ዚፈልጥ ምግባርን፣ ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ኰይኑ ንዚገብሮ ምንቅስቓሳት ድማ ቀየድቲ መምርሕታት ምሃብን ቀዳማይ ዕላማ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ እዩ። ነዞም መምርሕታት ካብ ዘይምምእዛዝ ጕድኣት ኣብ ዚወርደሉ እዋን ድማ ብዝተኻእለ መጠን ንተበዳሊ ናብቲ ቕድሚ ጕድኣት ምውራዱ ዝነበረሉ ዅነት ከም ዚምለስ ይገብር። ካልኣይ ዕላማ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ድማ ሓድነትን ፍቕርን ናይታ ባህርያዊትን መሰረታዊትን ኣሃዱ ዚዀነት ቤተሰብ፣ ከም ዚሕሎ ምግባርን ምሕብሓብን እዩ። ሳልሳይ ዕላማኡ ኸኣ ንግዳዊ ንጥፈታት ብቐሊሉን ብዘተኣማምንን ኣገባብ ከም ዚሰላሳሉ ብምግባር ረብሓ ዜጋታት ምሕላው እዩ። ከም ድምር ውጽኢት ድማ ረብሓ ሃገር የውሕስ።

ብሓፈሻ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ኣብ ሕብረተሰብ ስርዓት፣ ርግኣት፣ ሰላምን ፍትሕን ከም ዝነግስ ኪገብርን ቀጻልነቱ ድማ ከረጋግጽን ትጽቢት ይግበረሉ።

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ