April 6, 2019

ስለዝተደጋገመ፡ ሓቂ ክኸውን
ዝኽእል ሓሶት የለን!

“ሚኒስተር ዜና ሚሊሽያ ሑቲ”፡ ኣብ’ታ ብኢራን እትምወል መደበር ቴለቪዥን ‘መያዲን’፡ ኣንጻር ኤርትራ ዝቐንዐ ሕሱር ጠቐነ ወርዊሩ ኣሎ።
ትሕዝቶ ናይ’ዚ ብ24 መጋቢት ዝተጋውሐ ውጹእ ሓሶት፡ “ናይ ዳዕሽን ኣልቓዒዳን ሽበራውያን፡ ድሕሪ’ቲ ናይ መወዳእታ ስዕረቶም፡ 4 ብርጌዳት ካብ ቱርኪ ኣብ ኤርትራ ይተኣኻኸቡ ኣለዉ። ዕላማኦም ከኣ፡ ንስምምዕ ሑደይዳ ንምዝራግ’ዩ” ዝብልን ካልእ ሃተውተውን ይርከቦ። እዚ፡ ብቓናኡ ካብ’ቲ “ኣልጀዚራ” ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ (መጋቢት) ብዛዕባ ዓሰብ ዘናፈሰቶ ጠቐነ ዝፍለ ኣይኰነን። እንተ መርገጺን ቃልስን ኤርትራ ኣንጻር ሽበራን ጥሩፍነትን፡ ፈታውን ጸላእን ዝፈልጦ – ምስክርነት ዘየድልዮ – ንጹርን ዘይልወጥን እዩ።
ሚኒስትሪ ዜና
ኣስመራ – 4 ሚያዝያ 2019

Latest Articles

الإعلام المحلي في حوار مع الرئيس إسياس أفورقي

ቃለ-መጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

السفارة والجالية السودانية تحتفل بالذكرى الــ 70 لإستقلال السودان