April 3, 2015

ስርሒት ፈንቅል፣ ድሕረ ባይታ፡
ውጥንን ትግባረን መጥቃዕቲ

ስርሒት ፈንቅል፣ ድሕረ ባይታ፡ ውጥንን ትግባረን መጥቃዕቲ

“ስርሒት ፈንቅል፣ በሪ ምሉእ ሓርነት ዘርሓወ፣ መግዛእቲ ፍርቂ ዘመን ዝፈንቀለ፣ መስተንክር ጅግንነታዊ ፍጻመ እዩ። “ –  ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ሓጺር ድሕረ – ባይታ
ኣብ መስርሕ ልሙድ ኩናት ፡ ተጋጠምቲ ሓይልታት ብሰለስተ መድረኻት ይሓልፍ። ዝበርትዐ ዓቕሚ ዝሓዘ ወገን ኣብ መድረኽ መጥቃዕቲ ኣብ ዝህልወሉ፡ እቲ ክከላኸል ዝጸንሐ ወገን እንሓየለ ኣንተ ኸይዱ ድማ፡ ሚዛን ሓይሊ ይቀራረብ እሞ ክልተኦም ወገናት ኣብ መድረኽ ጃላነትይኣትው። ኣብ መድረኽ ጅላነት ኣብ ዝካየድ ግጥማት ሓዩሉ ዝወጸ ድማ፡ ናብ መድረኽ መጥቃዕቲይሰጋገር።

መድረኽ 1977-1978፡ ሰውራ ኤርትራ፡ ኣብ መድረኽ ስትራተጂያዊ መጥቃዕቲ ኣትዩ፡ ዝበዝሕ ክፋል ኤርትራ ተቘጻጺሩ፡ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ከብቅዕ ዝተቓረበሉ እዋን`ዩ ነይሩ። እንተዀነ፡ ኣብቲ ግዜ`ቲ ምስ ዝነበረ ናይ “ዝሑል ኩናት“ ውድድር ርእሰ-ሓያላን ዓለም ተኣሳሰሩ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ነዚ ኵነታት`ዚ ብመሰረቱ ዝቐየረ ፓለቲካዊን ወተሃደራዊን ምዕባለታት ተኸስተ። ኣብ እዋን ስርዓት ሃይለስላሰ፡ ኢትዮጵያ ጸግዒ ምዕራባውያን ሓይልታት`ያ ነይራ። ኣብ 1974 ስርዓት ሃይለስላሰ ብህዝባዊ ናዕቢ ተዓልዩ ፡ ደርግ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ግን፡ ኢትዮጵያ ዝምድናኣ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ስለ ዝተበትከ፡ ስርዓት ደርግ፡ ፓለቲካዊ ጸግዒን ወተሃደራዊ ሓገዝን ንምርካብ ናብ ድምበ ሕብረት-ሶቭየት ክጽጋዕ ወሰነ። ኣብ ፈለማ 1977 ድማ ኣብ መንጎ ሕብረት-ሶቭየትን ኢትዮጵያን ወተሃደራዊ ስምምዕ ተኸተመ። ከም ውጽኢት፡ ሕብረት ሶቭየት ነቲ ብመጥቃዕቲታት ሰውራ ኤርትራን ምስ ሶማል ብዘካይዶ ዝነበረ ኩናትን ወተሃደራዊ ዓቕሙ ተዳኺሙ ዝነበረ ስርዓት ደርግ ንምጥንኻር፡ ንደርግ ገዚፍ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከተውሕዘሉ ጀመረት። ካብ መፋርቕ 1977 ክሳብ ለካትቲ 1978 ኣብ ዝነበረ ወርሓት ጥራይ (ድሕሪኡ በብግዜኡ ዝውስኽ ዝነበረ ኣጽዋርን ተተዃስን ከይደመርካ) ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ፡ ዘመናውያን ነፈርቲ ውግእ፡ ታንክታት፡ ድሩዓት መካይን፡ መዳፍዕ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ከቢድ፡ ማእከላይን ፈኩስን ብረታትን ብብዝሒ ተተዃሲን ዘጠቓለለ ዝተፈላለየ ኣጽዋር፡ ናብ ኢትዮጵያ ከም እተጓረተ ናይቲ ግዜ`ቲ ጸብጻባት የመልክቱ። ጐድኒ ጐድኒ`ዚ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ዘሰልጥኑን ዘማኽሩን ኣማኢት መኰንናት ሕብረት ሶቭየት፡ ኩባ፡ ምብራቕ ጀርመንን የመንን ናብ ኢትዮጵያ ኣተው። በዚ ገዚፍ ምትእትታው ድማ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ሚዛን ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ካብ ሰውራ ኤርትራ ናብ ስርዓት ደርግ ተቐየረ። ደርግ በቲ ዝረኸቦ ገዚፍ ደገፍ፡ ኣብ ሒደት ኣዋርሕ ንዓቕሚ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ምድሪ፥ ባሕሪን ኣየርን ብዓቢይ ደረጃ ክብ ብምባል፡ ኣስታት 300.000 ዝበጽሕ፡ ኣብ ጸሊም ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ሰራዊት ክሃንጽ ክኣለ። በዚ ድማ ካብ መድረኽ ምክልኻል ወጺኡ፡ ብልዑል ጸብለልታ ናብ መጠነሰፊሕ መጥቃዕቲ ተሰጋገረ። ሰውራ ኤርትራ ድማ፡ ናብ ምክልካኻል ክኣቱ ተገደደ።

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ