August 5, 2016

ስርዓት ኢትዮጵያ ብዝወልዖ ሓዊ ይነድድ!!

ዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ

ስርዓት ኢትዮጵያ ብዝወልዖ ሓዊ ይነድድ!!ኣብ ክልል ጎንደር ሰሜን ኢትዮጵያ ኣሽሓት ዜጋታት ኢትዮጵያ ዝሳተፍዎ ዘለዉ ሓያል ተቃውሞ ኣንጻር’ቲ ስርዓት ይካየድ ኣሎ። ስርዓት ወያነ ነቲ ተቃውሞ ንምብርዓን ክሳብ ከበድቲ ኣጽዋር’ኳ እንተ ተጠቅመ ደው ከብሎ ግን ኣይከኣለን። ከምውጽኢቱ ከኣ ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም ኣለዉ። እዚ ድማ ነቲ ኩነታት ስለዘጋደዶ ብሄር ኣምሓራ ጥራይ ዘይኮኑ ዝበዝሑ ካብ ህዝብታት ኢትዮጵያ ይሳተፍዎ ኣለዉ። እዚ ምንቅስቃስ’ዚ ካብ’ቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራውን ማሕበራውን ተቃውሞ ተፈልዩ ዝርአ ዘይኮነስ፡ መቀጸልታ ናይ’ዚ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣንኮላይ ክልል ትግራይ ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው እዩ። እዚ ካብ ቅድሚ ርብዒ ዘመን ዝጀመረ ሽግራት ኢትዮጵያ ክሳብ ዓንቀሩ መሊኡ ካብ ሕጂ ንነው ዋላ ንእሽቶ ጸገም’ውን እ ንተኮነ ክጻወር ዝኽእል ኣይኮነን። ኣብ ክልል ጎንደር ዝተወልዐ ህዝባዊ ተቃውሞ ብሰንኪ’ቲ ማእከላይ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰማማዓሉ ፈደራላዊ ክልል ትግራይ ኣብ 1997 ዘውጽኦ ንናይ ጎንደር ዞባ ዋልቃይት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘእተወ ሓድሽ ካርታ እዩ። ኣብ ክልል ኦሮምያ’ውን እንተኾነ ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስቡሕ መሬት ሓረስቶት ካብ ዋናታቱ ብደማዊ ወተሃደራዊ ስርሒታትን ጸጥታዊ ሓይሊን እናመንዝዐን ሂወታት ዜጋታት ኣብ መጻብቦ ብምእታውን ንወጻእተኛታት ብምሻጡን ብምክራዩን ተቃውሞ ተወሊዑ። ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ’ውን እንተኾኑ ከም ሶማልን ዓፋርን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ንስርዓት ወያነ ኣብ ምቅዋም ይርከቡ።

እቲ ዘገርም ድማ ስርዓት ኢትዮጵያ ምኽንያት ናይ’ዚ ካብ ቁጽጽሩ ወጺኡ ዝባራዕ ዘሎ ሽግራት ኢትዮጵያ ብሓላፍነታዊ መገዲ ፍታሕ ኣብ ክንዲ ዘናድየሉ ከምቲ ልሙድን ቅሉዕን ባህርያቱ ንኤርትራ ገንሸል ናይ ጸገማቱ ክገብራ ምፍታኑ’ዩ። ሎሚ ግን ስርዓት ወያነ ድሕሪ ናይ ርብዒ ዘመን ስልጠኑ ኣንጻሩ ህዝባዊ ተቃውሞ ኣብ ኩሉ ፈደራዊ ክልላት ኢትዮጵያ እናዛየደ መጺኡ ኣሎ። ገዛእቲ ኢትዮጵያ ንውሽጣዊ ሽግራቶም ኣብ ምፍታሕ ዝኽተልዎ ኣገባብ ብሓደ ወገን፡ ኣንጻር ኤርትራ ዘቅርብዎ መሰረት ዘይብሉ ክሲታት ድማ በቲ ካልእ፡ ብዘይካ ነቲ ኮነ ኢሉ ከም ሰገን ርእሱ ኣብ ሑጻ ክሓብእ ዝደሊ እንተዘይኮይኑ ዋላ ንሓደ ከደናግር ኣይክእልን እዩ።

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝልሕም ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቊጠባውን ባህላውን ባርዕ ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዝያዳ ገዲዱ ይርከብ። እዚ ድማ ናይ’ቲ ውሑዳን ስርዓት ተጋሩ ስልጣን ንምብሓትን ቊጠባዊ ጸጋታትን ወተሃደራውን ጸጥታውን ትካላትን ንምቁጽጻርን ኣብ 1994 ዘቆምዎ ንኢትዮጵያ ናብ 10 ዓሌታት ዝኸፋፍል ቅዋምን ፖለቲካን ውጽኢት እዩ። በዚ መገዲ’ዚ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ፖሊሲ ኣብ ምትግባር ይርከብ።

ስለዚ ከኣ ስርዓት ኢትይጵያ በቲ ዝወልዖ ሓዊ ምንዳዱ ዘገርም ኣይኮነን። ኣብዚ ሎሚ ህዝብታት ኢትዮጵያ ድሕሪ ናይ ርብዒ ዘመን ጸልማት ናይ ብርሃን ተስፋ ዝርእየሉ ዘሎ ህሞት ናብ መጋርያ ሓዊ ኤርትራ ገጽካ ምጉያይ ድማ ብኣንጻሩ ዕድመ ስልጣኖም ዘሕጽር እምበር ናይ መጻንሒ

ትንፋስ ዝህቦም ኣይኮነን። እቲ ብ12 ሰነ 2016 ኣብ ግንባር ጾሮና ዝፈተንዎ ወተሃደራዊ ዕንደራ ከኣ ነዚ ንብሎ ዘሎና ሓቂ ዘረጋገጸ’ዩ ነይሩ።

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን