January 18, 2011

ስትራተጅያዊ መደባት ሚኒስትሪ ፍትሒ

ስትራተጅያዊ መደባት ሚኒስትሪ ፍትሒ

1. ድሕረ-ባይታ
ሕመረት ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ማሕበራዊ ፍትሕን ቁጠባዊ ሕውየትን ምርግጋጽን ርግኣትን ሰላምን ሕብረተሰብ ምንጋስን እዩ። ሚኒስትሪ ፍትሒ፣ ነዚ ፖሊሲ እዚ ኣብ ምትግባርን ሕብረተሰብ ኣብ ትካላት ምምሕዳር ፍትሒ ንዘለዎ እምነት ምእንቲ ኽዓብን፣ ነዞም ዚስዕቡ ኸም ቀንዲ ሸቶታቱ ገይሩ ኺዓዪ ጸኒሑን ኣሎን፣

  • ርሕውነት ኣገልግሎት ፍትሒ ምርግጋጽ፣
  • ማዕርነትን ፍትሓውነትን ናይ ዝወሃብ ኣገልግሎት ከም ዝህሉ ምግባር፣
  • ስሉጥነት፣ ጽፉፍነትን እዋናውነትን ናይ ኣገልግሎት ፍትሒ ምውሓስ፣
  • ነጻነትን ተሓታትነትን ፈራዲ ኣካል ከም ዝሕሎ ምግባር፣ ከምኡ‘ውን
  • ህዝባዊ ተኣማንነት ከም ዝረጋገጽ ምግባር።

ሚኒስትሪ ፍትሒ፣ ነዞም ሸቶታት ከም መሓበርን መዐቀን ስራሓቱ ብምግባር፣ ትካላዊ ኣሰራርሓ ንምትእትታው፣ ቁጽጽርን ተሓታትነትን ንምርግጋጽን፣ ሓላፍ ዘላፍ ዘይብሉ፣ ስሩዕን ፍትሓውን ኣገልግሎት ፍትሒ ንምሃብን፣ ናይ ኣሰራርሓ ለውጢ የድልዮም ኣብ ዝበሎም ጉዳያት መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባር ለውጥታት ከተኣታቱ ጀሚሩ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ፍትሒ ነቲ ንመሰጋገሪ ትካላት ፍትሒ ዘቘመ ኣዋጅ ቍ. 1/1991 መሰረት ብምግባር፣ ኣብ ዝሓለፋ 19 ዓመታት ብዙሓት መደባት ሓንጺጹ። ትካላዊ ኣሰራርሓታቱ ንምምዕባል ከኣ እተፈላለየ ውጥናት ቀዪሱ ኣብ ምትግባሩ ኺጽዕር ጸኒሑ። ኵላትና ኸም እንዝክሮ፣ ኣብ 2004 ሚኒስትሪ ፍትሒ ትካላዊ ኣሰራርሓኡ ንምሕያልን ዝርጋሔ ኣገልግሎታት ፍትሒ ንምርግጋጽን ስራሓቱ ብምግምጋም ኣድለይቲ ንዝብሎም እተፈላለዩ እማመታት ኣቕሪቡ። ብምቕጻል ከኣ፣ ኣብ ግንቦት 2007 ኣብ ሃገር ሜድያ ኣዳራሽ ኣብ እተገብረ ኣባላት ሚኒስትሪ ፍትሒ፣ ኣብያተ ፍርዲ፣ ቤ/ጽ/ኣኽባር ሕግን፣ መሻርኽቲ ትካላትን እተሳተፍዎ ኣኼባ፣ ሓያልን ድኹምን ጎንታት ትካላት ፍትሒ ክትዕ ተኻዪዱሉ፣ ኣገልግሎት ፍትሒ ንምምዕባል እተኣታተወ መደባት ተገምጊሙ፣ ንምሕያሉ ዘድሊ ርእይቶታት ድማ ቐሪቡ።

ከም መቐጸልታ ናይዚ ኸኣ፣ ኣብ 2008 ካብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ፍትሒ፣ ኣብያተ ፍርድን ምኽባር ሕግን ብእተዋጽኡ ኣባላት፣ ንርሑውነት፣ ርትዓውነት፣ ፍትሓውነት፣ ምሉእነት፣ ዓይነት፣ ብቕዓትን ግሉጽነትን ኣገልግሎት ፍትሒ ንምግምጋም፣ ናይ ዝሓለፈ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመታት ዕዮና ብምፍታሽ፣ ኣብ ድኻማት ኣገልግሎት ፍትሒ ብምትኳር መጽናዕቲ ተኻዪዱ። ከም ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ ኸኣ፣ ተገልጋሊ ዝያዳ ዕግበት ክረኽበሉ ዝኽእል መገድታት ክንጸር ተኻኢሉ፣ ጽላት ኣገልግሎት ፍትሒ ኽሕይለሉ ዝኽእል ኣገባባት ንምልላይ ጻዕሪ ተኻዪዱ፣ ኣብ ኣገልግሎት ፍትሒ ክተኣታተዉን ኺሕይሉን ዝግብኦም ለውጥታት ድማ ተኣሚሞም። እቲ ብዓይኒ ርእሰ-ነቐፌታ እተኻየደ መጽናዕቲ ኣብ ዕላማታት ኣገልግሎት ፍትሒ፣ ኣብ ቅርጽን ተሓታትነትን ትካላት ፍትሒ፣ ምስ መሻርኽቲ ትካላት ኣብ ዘሎ ዝምድናታት ወ.ዘ.ተ. ብምትኳር ኽተኣታተዉ ዝግብኦም ናይ ኣሰራርሓን ኣተሓሳስባን ለውጥታት ዘርዚሩ ኣሚሙ።

2. ስትራተጅያዊ ኣተሓሳስባን ለውጥታትን
ከም ውጽኢት ናይቲ ንሰለስተ ዓመታት እተገብረ ኣባላት ትካላት ፍትሒ እተሳተፍዎ ጻዕርታት፣ ግምገማታትን መጽናዕትታትን ከኣ፣ ኣብ ቅርጺ፣ ኣሰራርሓን ኣገልግሎትን ናይ ትካላት ፍትሒ ምምሕያሻት ከም ዘድሊ ተኣሚኑሉ። ብእኡ መሰረት ከኣ ኣድላዪ ዝበሃል ለውጥታት ንምትእትታው እተፈላለየ ስራሓት ኽስራሕ ጸኒሑ። እንሆ ኸኣ ኣባላት ሚኒስትሪ ፍትሒ መሊሶም ርእይቶታቶም ኺህቡሉን፣ ምስ ካልኦት መሻርኽቲ ኣብ ዝካየድ ኣኼባታት ኸኣ እኹል ሓበሬታ ረኺቦምሉ ኺጸንሑን ኣብዚ ኣኼባ ይቐርብ ኣሎ።
እቲ እተኻየደ ዅሉ ስራሓት ኣብዚ ዚስዕብ ስትራተጅያዊ መትከል እተመስረተ እዩ።
ርሑው፣ ርትዓዊ፣ ስሉጥን ተሓታትን ስርዓተ-ፍትሒ ምምዕባልን ምርግጋጽን
እዚ እቲ ብድሕሪ ሕጂ ንእንፍጽሞም ስራሓትን ንእንሕንጽጾም መደባትን ከም መሓበሪ ኪኸውን እተኣምነሉ መትከል እዩ። ነዚ መትከል እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉን ኣብ ስትራተጂታትና ከም ዝንጸባረቕ ንምግባሩን ከኣ፣ ኣብ ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመትታት፣ ብመንጽር እዞም ኣምራት እዚኣቶም (ማለት ርሑውነት፣ ርትዓውነት፣ ስሉጥነትን ተሓታትነትን ኣገልግሎት ፍትሒ)፣ እተፈላለዩ ጉጅለኣዊ መጽናዕትታት ተኻይዶም፣ ኣድላዪ ዝበሃል እማመታት ድማ በብወገኖም ቀሪቡሎም።
ጽሟቝ ትሕዝቶ ናይቶም እተገብሩ መጽናዕትታትን ንእኦም መሰረት ብምግባር ናይ እተኣታተዉ ወይ እተኣመሙ ለውጥታትን ከኣ እዚ ዚስዕብ እዩ።

3. ለውጢ ኣብ ሕግታት
መሰረታዊ ሕግታትና ነዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ስትራተጂ ዘንጸባርቑን ዘሐይሉን ምእንቲ ኪኾኑ ተገምጊሞምን ኣድላዪ ምትዕርራይ ተገይሩሎምን ይግበረሎም ኣሎን። ብተወሳኺ መሰረታዊ ሕግታትና ኣበየ እዋናቱ ምስ ዘመናዊ ኣምራት ሕግን ምዕባለታትን ከም ዚመዓራረዩን፣ ተገልጋሊ ብቐሊሉ ኽርድኦም ብዝኽእለሉ መገዲ ናይ መወዳእታ መልክዖም ከም ዝሕዙን ንምግባር ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ።
ከም ድምር ናይዚ ጻዕርታት ከኣ፣ ኣብያተ ፍርዲ ስሩዕ፣ ስሉጥ፣ ርትዓውን ኣቐዲሙ ተፈላጥን ፍርዲ ምእንቲ ኺህቡ፣

  • ሲቪላዊ ኾነ ገበናዊ ጕዳያት ብፍሉጥን ተቐባልነት ብዘለዎን መርትዖታት ተሰንዮም ኪቐርቡ እሞ፣ ንመርትዖታት ዝምልከት ግዜ ዝወስድ ክርክራት ብምጕዳልን ንሓቂ ዝያዳ ብምንጻርን ስሩዕን ምዕሩይን ውሳኔታት ንምሃብን ዘገልግል ንድፊ ሕጊ መርትዖ ተዳልዩ ኣሎ። እቲ ኣብ 2008 እተገብረ መጽናዕቲ ካብ ዘነጸሮ፣ ኣብ መሰጋገሪ ሕግታትና ድማ እተረኽበ ሃጓፍ እንተሎ፣ ዳያኑ ንዝመጾም ክርክራት ብግቡእ ንኸማእዝኑን ርትዓውን ቅኑዕን ፍርዲ ንኽህቡን ዝሕግዝ፣ ንመርትዖታት ኣብ ዝምልከት ከኣ ካብ ባዕላውነት ዘድሕን ምሉእ ሕጊ መርትዖ ዘይምጽንሑ እዩ። እዚ ተዳልዩ ዘሎ ንድፊ ሕጊ መርትዖ፣ ኣብ ምትእትታው ስሩዕ ምዕሩይን ርትዓውን ውሳኔታት ኣበርክቶ ኺህልዎ ትጽቢት ይግበረሉ።
  • ንድፊ ገበናዊ ሕጊ፣
    • ምስ ኣብ ሕብረተሰብና ዝሰፈነ ኣተሓሳስባ ስነ-ገበንን ኣቀጻጽዓን ዝያዳ ከም ዝሳነ ንምግባር፣
    • ትካላት ፍትሕን ተገልገልትን ኺርድእዎ ብዝኽእሉ መገዲ ብቐሊሉ ንምቕራብ፣
    • ኣብ መቕጻዕታት ዝጸንሐ ገፊሕ ክፍተት ብምጽባብ፣ ንተመሳሰልቲ ዓይነትን ደረጃታትን ገበናት ተመሳሰልቲ ወይ ተቐራረብቲ መቕጻዕትታት ንምሃብ፣
    • ኣብ ኣቀማምራን ኣወሃህባን መቕጻዕትታት ዝያዳ ስሩዕነትን ርትዓውነትን ከም ዝህሉ ንምግባርን
    • ኤርትራ ኣንጻር ዓለምለኻዊ ገበናት ኣብ ዝግበር ቃልሲ ንዘለዋ ኣበርክቶ ዘጉልሕ ምእንቲ ኪኸውንን፣ ምስቶም ኣብ መበል ዕስራን ሓደን ክፍለ-ዘመን ብደረጃ ዓለም ዝስርሓሎም መትከላት ኣህጉራዊ ሕጊ ገበን ከም ዝሳነ ንምግባርን፣

ብዝብሉ ኣምራት ተገምጊሙ ኣድላዪ ለውጥታት ተገይሩሉ ኣሎ።

  • ንድፊ ገበናዊ ስርዓትውን ብተመሳሳሊ
    • ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እናነጸሩ ዝኸዱ ሓደ ሓደ ሃጓፋቱ ዝያዳ ንምምላእን እቲ ሕጊ ዝያዳ ርትዓዊ ንምግባሩን፣
    • ንመስርሕ ገበን፣ ብፍላይ ከኣ ክሲ ተመስሪቱ መስርሕ ፍርዲ ቕድሚ ምጅማሩ ንዘሎ ሓደ ሓደ ዘሰክፍ ምድንጓያትን ኣሰራርሓታትን ብዝበለጸ መገዲ ንምፍታሑን፣
    • ኣብ መስርሕ ገበናዊ ስርዓት ዝሳተፉ ኣካላት (ኣብያተ ፍርዲ፣ ኣኽበርቲ ሕጊ፣ ክሱሳት ፖሊስ ብፍላይ፣ ህዝቢ ኸኣ ብሓፈሻ) ብቐሊሉ ኽርድኡዎ ዝኽእሉ ንምግባሩን

ኣድለይቲ ዝበሃሉ ተወሰኽቲ ምትዕርራያት ይግበሩሉ ኣለዉ።

  • መሰረታዊ ሕግታትና (ብፍላይ ሕጊ ሲቪላዊ ሕጊ) ንኽብርታት ሕብረተሰብናን ያታዊ ስርዓታቱን ኸይጐሰየ ምስ ዘመናውነት ከም ዝሳነ ንምግባሩን፣ ሓፈሻዊ ኣምራቱ ኣብ መሰረታዊ ሕግታትና ከም ዝንጸባረቕ ንምግባርን ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ።
  • ብዛዕባ ኣገልግሎት ምፍጻም ፍርዲ ቕድሚ ሕጂ ንእተገብሩ መጽናዕታትን በብእዋኑ ንዝቐረቡ እማመታትን መሰረት ብምግባር፣ እቲ ኣገልግሎት ንዘለዉዎ ድኻማት ብሕጊ ንምንጻር፣ ስሉጥነት ውሳኔታት ኣብያተ ፍርዲ ንምርግጋጽን፣ ብእኡ ኣቢልካ ኸኣ ተኣማንነት ኣገልግሎት ፍትሒ ክብ ንምባልን ዚሕግዝ ንድፊ ሕጊ ተዳልዩ ኣሎ።

4. ምትዕርራይ ክለ-ስልጣን

  • ተሳታፍነት ሕብረተሰብ ኣብ መስርሕ ፍትሒ ክብ ንምባል፣
  • ዋሕዚ ጕዳያት ምስ ዝርጋሐ ኣብያተ ፍርዲ ንምምዕርራይ፣
  • ጻዕቂ ጕዳያት ኣብ ላዕለዎት ኣብያተ ፍርዲ ብምቅላል ኣባላት ኣብ መጽናዕትን ምርምርን ኪዋፈሩ ዕድል ንምሃብ፣
  • ከምኡውን ህዝቢ ኣገልግሎት ፍትሒ ብቐሊሉ ምእንቲ ኺረክብን፣

ናብ እተፈላለየ ደረጃታት ኣብያተ-ፍርዲ ዝቐርቡ ጕዳያት ሃረማዊ (pyramidal) ኪኾኑ ከም ዝግብኦምን ክለ-ስልጣናት ኣብያተ ፍርዲ ምትዕርራይ ከም ዘድልዮን ተኣሚኑሉ። ስለዚ ኸኣ፣ እቶም ምስ መዓልታዊ ህይወት ተገልገልቲ ዝተኣሳሰሩን ማሕበራዊ ጠባያት ዘለዎምን ጕዳያት ኣብ ታሕተዎት ኣብያተ ፍርዲ ከም ዝቐርቡ፣ እቶም ሒዶትን ልዕል ዝበለ ኽእለት ሰብ ሞያ ሕጊ ዝደልዩን ጕዳያት ከኣ ኣብ ላዕለዎት ኣብያተ ፍርዲ ኸም ዝረኣዩ ንምግባር ክለ-ስልጣን ኣብያተ ፍርዲ ንምትዕርራይ ዝዓለመ ንድፊ ሕጊ ተዳልዩ ኣሎ። እዚ ኣብ ግብሪ ኣብ ዝውዕለሉ ኸኣ፣ ኣብ ነዊሕ ጊዜ፣ ኣብ ላዕለዎት ጽፍሕታት ኣብያተ ፍርዲ ፍሉይ ጕዳያት ዝርእዩ (specialized) መጋብኣያታት ንምኽፋት ጻዕርታት ኪግበር እዩ።

5. ለውጢ ኣብ ኣሰራርሓ
ነቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ኣብ ርሑውነት፣ ርትዓውነት፣ ስሉጥነትን ተሓታትነትን እተመርኰሰ ስትራተጂ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፣ ኣብ ኣሰራርሓ ትካላት ፍትሒ ዝያዳ ጽፈትን ስሉጥነትን ምትእትታው ከድሊ እዩ። ስለዚ ኸኣ፣

  • ኣሰራርሓ ምኽባር ሕጊ ንምሕያሉን ኣብ ምምሕዳሩ ድማ ዝያዳ ትካላዊ ንምግባሩን መጽናዕቲ ተኻዪዱ እማመታት ቀሪቡ ኣሎ። እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፣ ንኣሰራርሓ ምኽባር ሕጊ ኣብ ዘሐይሉ ጎንታት ብምትኳር፣ መዛግብቲ ብመሰረት ዓንቀጽ 42 ኣብ ምዕጻው ንዝለዓል ሕቶታት፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ብዛዕባ ዝካየድ ኣገባብ ኣመራምራ ሬሳን ካልኦትን መሰረታውያን ጕዳያት ብፍሉይ ኣጽኒዑ ነዚ ዝሕግዙ እማመታት ኣቕሪቡ፣ ተወሰኽቲ መምርሒታት ናይ ስራሕ ድማ ተዳልዮም ኣለዉ። ከምኡ’ውን ኣብ ምምስራሕ ገበናዊ መዛግብቲ ንዝጸንሐ ሓደ ሓደ ኽመሓየሽ ዝግብኦ ኣሰራርሓታት ዘዐሪ መምርሒ ስራሕ ተዳልዩ ኣሎ።
  • ኣገልግሎት ረጂስትራር ዝያዳ ንምጽፋፉን ንምሕያሉን መጽናዕቲ ተወዲኡ ተዳልዩ ኣሎ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ መጽናዕቲ፣ ረጂስትራር ኣብ ምምስራሕ ሲቪላዊ ይኹን ገበናዊ መዛግብቲ ብሕጊ ዝተዋሃቦ ሓላፍነታትን ስራሓትን ብምልኣት ንኺዓየሎም ዝሕግዝ እማመታት ንምቕራብ እዩ ነይሩ። ንህሉው ኣሰራርሓ ረጂስትራር ብምግምጋም ከኣ ዘድሊ ናይ ኣሰራርሓ ምምሕያሻት ተኣሚሙ ይርከብ።
  • ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ፍርዲ ንኹለንትናዊ ምምሕዳር ኣብያተ ፍርዲ ዝከታተልን ዘዋሃህድን ኣካል ክህሉ ስለዝነበሮ፣ ቤ/ጽ ምውህሃድ ኣብያተ ፍርዲ ኣብ ነፍስ ወከፍ ዞባ ከም ዝህሉ ተጌሩ። እዚ ቤት ጽሕፈት ካብ ዝቐውም ንደሓር፣ ስራሓቱ እወታውን ኣድማዕን እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።
  • ንስሉጥን ምዕሩይን ኣተሓሕዛ መዛግብቲ ንኽህሉ ዝሕግዝ ዘኽእል ብዘመናዊ ተክኖሎጂ ዝተሓገዘ ናይ ኣተሓሕዛ መዛግብቲ ሶፍትዌር (case flow management system software) ተዳልዩ። ኣብ ቀዳማይ ቤት ፍርዲ ዞባ ማእከል ንፈተነ በቒዑን ዕዉት ምዃኑ ተገምጊሙን ኣሎ። ኵሉ ኣድላዪ ዘበለ ምድላዋት ምስ ተገብረ ኸኣ ቀስ ብቐስ ኣብ ኵሉ ኣብያተ ፍርዲ ኪዝርጋሕ እዩ።

6. ተመላላእነትን ተሓታትነን
ትካላት ፍትሒ

  • ኣሰራርሓታተንን ዝምድናታተንን ዝያዳ ንምንጻርን፣ ተሓታትነት ዘለዎ ምምሕዳር ፍትሒ ንምርግጋጽን፣
  • በብወገነን ድልዱል ስርዓተ ፍትሒ ኣብ ምርግጋጽ ዝያዳ ምእንቲ ኺዋስኣ፣ ዕማማተን ተወሃሂዱ ደረት ስራሓተን መሊሱ ከም ዝንጽርን ንምግባር፣
  • ንሓድሕደን ብዘይምትእትታው ክዓያ፣ ንህዝብን ንሕግን ዘለወን ተሓታትነት ብመጠን ዕማማተንን ስልጣነንን ንምጕላሕ፣
  • በብእዋኑ እናማዕበለ ክመጽእ ንዝጸንሐ ዝርጋሐ ኣገልግሎት ትካላት ፍትሒ ዝሰማማዕ ቅርጽን ትካላዊ ኣሰራርሓን ንምትእትታውን፣ በዚ ድማ ሕግን፣ ስርዓትን፣ ጽፈትን ስሉጥነትን ኣገልግሎት ፍትሒ ዝያዳ ንምሕያል፣

ነቲ ንመሰጋገሪ ትካላት ፍትሒ ኤርትራ ዘቘመ ኣዋጅ ቍ. 1/1991 ምስ ህሉው ኵነታት ብዝጠዓዓም መገዲ ዘመሓይሽ ኣዋጅ ተነዲፉ ኣሎ።

7. ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ
ነቲ ዝተኣታቶ ዘሎን ብሕጂ ዝመጽእ ለውጥታትን ብምልኣት ንምትግባር፣ ህሉው ዓቕሚ ሰብ ትካላት ፍትሒ ምምዕባል ኣድላዪ ኪኸውን እዩ። ነዚ ብዝምልከት ኪህልወና ዝግባእ ኣተሓሕዛ በዚ ዚስዕብ ኣምራት ኺምራሕ እዩ።

  • ብቕዓት ኣባላት ትካላት ፍትሒ ዝምዘነሉ መዐቀንታት ምትእታው፣
  • ተዳልዩ ዘሎ ንጹር መግለጺ ስራሓት ኣብ ኵሉ ኣካላት ምምሕዳር ፍትሒ ልሙድን ፍሉጥን ምግባር
  • ህሉው ዓቕሚ ሰብ መጀመርታ ንዘሎ ሃጓፋት ኣብ ምምላእ ክዋፈር፣ ብድሕሬኡ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብፍሉይ ኣብ ዝስልጥነሉ ዓውድታት (specializations) ከም ዝምዕብል ምግባር፣
  • ሚኒስትሪ ፍትሒ፣ ምስ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝገብሮ ምትሕግጋዝ፣ ንተመሃሮ ግብራዊ ተመኵሮ ኣብ ምሃብ ከም ዘተኵር ምግባር።

8. ዝምድና ምስ መሻርኽትን ህዝባዊ ርክባትን
ብዘይካ ትካላት ፍትሒ፣ ኣብ ዓውዲ ፍትሒ ከምኡውን ኣብ ምሕላውን ምቍጽጻርን መሰላትን ግቡኣትን ህዝቢ ዝዋፈሩ እተፈላለዩ ትካላት ኣለዉ። ትካላት ፍትሒ ምስዞም መሻርኽቲ ትካላት እዚኣቶም ዘለዎ ዝምድና ብመሰረቱ ኣብ ሕጊ ብዝሰፈረ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ ኸኣ እቶም ምስዞም መሻርኽቲ ትካላት እዚኣቶም ዘራኽቡና ሕግታት ኪንጸሩ፣ እቶም ገና ንጹር ሕጊ ዘይወጻሎም ዝምድናታት ከኣ ሕጊ ኺግበረሎም ከም ዘለዎ እቲ ዝገበርናዮ ገምጋማትን መጽናዕትታትን ኣነጺሩልና ኣሎ።
በዚ መሰረት ከኣ፣

  • ምስ ምምሕዳራት ዘሎና ዝምድና ዝያዳ ምእንቲ ኽድልድል፣ ንህዝቢ ኣብ መንጎ ምምሕዳራትን ኣብያተ ፍርድን ኮለል ዘብሉ ኣሻመውቲ ጕዳያት ንምምእዛንን፣ ምምሕዳራት ከኣ ንፖሊሲታት ኸተግብሩሉ ዝኽእሉ ሕጋዊ ባይታ ንምጥጣሕን ምድላዋት ተገይሩ ኣሎ። ምስ ምምሕዳራት ብምዝርራብ ከኣ ንምምሕዳራት ዝምልከት ህሉው ሕግታት ንምጥርናፍን፣ ንዝጎደለ ምምሕዳራዊ ኣምራት ዝምልእ ሕግታት ንምድላውን መደብ ወጺኡ ኣሎ።
  • መንግስቲ በብግዜኡ ዝፍርመሎምን ዝኣትዎምን ኣህጉራዊ ስምምዓት ኣብ ምትግባር ሓላፍነት ዘለዎም እተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ ኣለዉ። ነዞም ኣህጉራዊ ስምምዓት ምስ ሕግታት ሃገር ንምስናይን ኣብ ሃገር ተተግባርነቶም ንምርግጋጽ ዝሕግዝ ኣሰራርሓ ንምንጻርን መጽናዕቲ ይግበር ኣሎ።
  • ነዚ ኣብ ላዕሊ እተዘርዘረ ዕላማታት ኣብ ምውቃዕ ዝሕግዝ እተዋደደን ስሩዕን ቅርጺ ዘለዎ ናይ ሲቪካዊ ትምህርቲ መደብ ንምትእትታው ዘገልግል ውጥን ኣ ምድላው ይርከብ። ቀንዲ ዕላማታት ናይዚ ውጥን ከኣ
    • ሕጋዊ ንቕሓትን ኣምር ሕግን ኣብ ሕብረተሰብ ክብ ምባል፣
    • ሌላ ሕብረተሰብ ምስ ሕግታት ምርግጋጽ፣
    • መሰላትን ግቡኣትን ህዝቢ ምብራህን ኣብ ትግባረ ሕጊ ተራ ህዝቢ ምርግጋጽን፣ ከምኡውን
    • ንህዝቢ ኣብ ሕጋዊ ጉዳያት ባይታ ንዘተ ምፍጣርን ተራ ህዝቢ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ ምድንፋዕን፣ እዮም
Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን