June 17, 2022

ስዉእ ተጋዳላይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ
ብዛዕባ ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት እንታይ በለ?

ምስ ሰማእታት
ዝመቐረ፡ ዝጸበቐን ዝመረረን ሂወት ኣሕሊፈ፡

መርበብ ሓበሬታ ማእከል ስትራተጅያዊ መጽናዕታት ኤርትራ- ECSSW-  ብ17 ሰነ 2015 ንመዓልቲ ሰማእታት ምኽንያት ብምግባር፡ ምስ ሓርበኛ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡  ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ ነይሩ። መርበብ ሓበሬታ ECSSW ድሕሪ መስዋእቱ ነቲ ቃለ መጠይቕ ከም ብሓድሽ ይዝርግሖ ኣሎ። ኣብ ቃለ መሕትቱ፡ መዓልቲ ሰማእታት ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታት ክሳብ ክንደይ ፈጺምና ነብስና እንግምግመሉን ካብ ሕሉፍ ትምህርቲ እንቀስመሉን ናይ ቀረባን ርሑቕን እስትራተጂ እንስእለሉን ኣጋጣሚ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ። ካብ’ቲ ብዙሕ ቅያታት እተፈጸመሉ ሃብታም ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ስለምንታይ 20 ሰነ ከም መዓልቲ ሰማእታት ተመሪጻ ድማ 2 ኣብሪሁ። ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ገለ ካብ ሰማእታት ኤርትራ፡ ከምኒ ዓሊ ዑስማን፡ ኣብርሃም ተወልደን ኢብራሂም ዓፋን ካልኦትን ብምጥቃስ፡ ኣብ 1966 ኣብ ሰውራ ምስ ተሰለፈ ቀዳማይ ስዉእ ዝርኣየሉ ኣብ ውግእ ዓይለት ግምሆት ኣብ 1967 ዝተሰውአ ተጋዳላይ ዓሊ እድሪስ ኣንራ ዓሊ እዩ። ካልኢታት ንድሕሪት ተመሊሱ ተዘክሮታቱ ክፍትሽ ጸኒሑ ድማ፡ “ምስ ሰማእታት ዝመቐረ፡ዝጸበቐን

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ