November 11, 2017

ሻብዓይ መጽሓፍ ምትሓዝ ንብረትን
ምፍጻም ፍርድን
ቀዳማይ ኣርእስቲ ኣብ ኤርትራ
ዝተዋህበ ፍርዲ ምፍጻም
ምዕራፍ 1. – ፍርዲ ዘፈጽሙ ኣብያተ ፍርዲ

Part X

ዓንቀጽ 406. – መትከል

ሓደ ፍርዲ፣ ብመሰረት ድንጋገታት ናይዚ ኣርእስቲ፣ በቲ ነቲ ፍርዲ ዝሃበ ቤት ፍርዲ ወይ ድማ በቲ ንኸፈጽሞ ዝተሰጋገረሉ ቤት ፍርዲ ኪፍጸም ይከኣል። መራኽብ ናብ ሕጊ ንምቕራብ፣ ንምቕያድን ንምሻጥን ዝምልከት ድንጋገታት ሕጊ ባሕሪ ብዝዀነ ድንጋገ ናይዚ ኣርእስቲ ኣይትንከፍን።

ዓንቀጽ 407. – ምስግጋር ፍርዲ

(1) ፍርዲ ዝሃበ ቤት ፍርዲ፣ ናይ ምፍጻም ፍርዲ ምልክታ ምስ ቀረበሉ፣ ብተበግሶኡ ወይ ብኣመልካትነት ብፍርዲ ብዓል መሰል፣ ኣብዞም ዚስዕቡ ዅነታት፣ እቲ ፍርዲ ንኺፍጸም ብቐጥታ ናብ ካልእ ቤት ፍርዲ ኪልእኮ ይኽእል፥
(ሀ) ብፍርዲ ብዓል ዕዳ ኣብ ውሽጢ ከባብያዊ ኽለ-ስልጣን ናይቲ ኻልእ ቤት ፍርዲ ዚነብር፣ ንግድ ዘካይድ ወይ ብውልቁ ንረብሓ ዝሰርሕ ምስ ዚኸውን፣
(ለ) ብፍርዲ ብዓል ዕዳ ኣብ ውሽጢ ከባብያዊ ኽለ-ስልጣን ናይቲ ኻልእ ቤት ፍርዲ ነቲ ፍርዲ ኪሽፍን ዝኽእል እኹል ንብረት ምስ ዚህልዎ፣ ኣብ ክለ-ስልጣን ናይቲ ፍርዲ ዝሃበ ቤት ፍርዲ ግን ንብረት ምስ ዘይህልዎ፣

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ