November 4, 2017

ሻድሻይ መጽሓፍ – ይግባይ፣ ፍሉይ ክለሳ፣
ሳልሳይ ኣካል ተቓውሞን ዳግመ ምርኣይን
ቀዳማይ ኣርእስቲ – ይግባይ
ምዕራፍ 1. – ይግባይ ዚበሃለሎም ውሳነታት

Part IX

ዓንቀጽ 360. – መትከል

(1) ዝዀነ ናይ መወዳእታ ውሳነ ብመሰረት ድንጋገታት ናይዚ ሕጊ ንመጀመርታ ግዜ ይግባይ ኪበሃሎ ይከኣል።
(2) ብዘይካ ብመሰረት ድንጋገታት ናይዚ ሕጊ ካልኣይ ግዜ ይግባይ ናይ ምባል መሰል ኣይህሉን።

ዓንቀጽ 361. – ክለ-ስልጣን ይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርዲ

(1) ካብ ውሳነ ናይ ዝስዕብ ኣብያተ ፍርዲ ከም መሰል ቀዳማይ ግዜ ይግባይ ኪበሃል ይከኣል፥

(ሀ) ካብ ኮማዊ ቤት ፍርዲ ናብቲ ናይዚ ኮማዊ ቤት ፍርዲ እዚ ከባብያዊ ኽለ-ስልጣን ዘሎዎ ዞባዊ ቤት ፍርዲ፣
(ለ) ካብ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ናብ ላዕልዋይ ቤት ፍርዲ፣ ወይ
(ሐ) ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናብ ርእሰ-ኣብያተ ቤት ፍርዲ።

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ