January 6, 2018

ሽግር ኢትዮጵያ ብዓይኒ ፈረንሳን ኣሜሪካን

ክኢላ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ፈረንሳዊ ጽሓፊ ሪኖ ሎፎር፡ ንፖለቲካዊ ሽግር ስርዓት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዝጸሓፎ ትንትናዊ ዓንቀጽ ናይ ፓሪስ ጋዜጣ “ሎሞንድ” ኣብ መጨረሽታ ናይ 2017 “ጉዳይ ብሄራት ኢትዮጵያ ተባራዒ ኮይኑ’ሎ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዘርጊሓቶ ነይራ። ተሓጋጋዚ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ዝነበረ ሄርማን ኮሄን ብወገኑ ኣብ መጀመርታ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ “ኢትዮጵያ ኣብ ሕማቕ ቃራና መገዲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ሽግር ኢትዮጵያ ትንተናዊ ጽሑፍ ኣቅሪቡ። ካብዚ ቀጺልና እምበኣር ኣብ ትንታነታት ፈረንሳዊን ኣሜሪካዊን ሰፊሩ ዘሎ ጽማቚ ነቅርብ።

ቀዳማይ፦ ሪኖ ሎፎር ኣብ’ታ ብ29 ታሕሳስ 2017 ተሓቲማ ዝወጸት ጋዜጣ “ሎሞንድ” ነዚ ዝስዕብ ጽሒፉ።

1- ኣብ መንጐ ብሄራት ኦሮሞ፡ ሶማል፡ ኣምሓራን ተጋሩን ደማዊ ግጭት ተፈጺሙ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኑ “ትካል ጸጥታ ቅዋማዊ ግቡኡ ክፍጽም ኣይከኣለን ኣሎ” ክብል ተኣሚኑ።

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ