November 13, 2021

ቃለ-መሕተት ምስ
ደራሲ፡ ዳኒኤል ስላስ (ወዲ ኮር ባርያ)

ኣብርሃም ዘርአ (ወዲ-ሃለቃ)
-ክንላለየካዶ?
ስመይ ዳኒኤል ስላስ እባሃል ሓንፈጽ እየ። ቅድሚ 50 ዓመት ኣብ ኣስመራ ተወሊደ። ተቐማጢ ዓዲ ጥልያን ኮይነ፡ ኣብቲ ዓዲ ልዕሊ 28 ዓመታት ገይረ ኣለኹ።

-እዚ ስምካ ድኣ ከመይ ከመይ’ዩ? ዳኒኤል ስላስ ኢልካኒ’ሞ – ገለ ሰባት ከኣ ዳኒኤል ወዲ ኮር ባርያ ክብሉኻ ሰሚዐ።
(ሰሓቕ) ጽቡቕ ኣለኻ፡ ወዲ ኮርባያ ከም ስመይ ለጊባ መጸውዒ ኮይናትኒ ዘላ ቅጽል’ያ። እዚ ከኣ ድሕሪ ዝተወሰነ ዓመታት ኣብ ሂወተይ ናይ ጽሑፍ ተመኩሮይ ኣብ ዘዕብየሉ ዝነበርኩ ዝመጽአ’ዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ወጺእና፡ ኣንጻር ሃገር ንዝቐንዕ ተግባራት መኸተ ኣብ ንገብረሉን ንጽሕፈሉን ዝነበርና እዋን ዝራዓመ መለለዪ እዩ። እንታይ ዓይነት መፍለጢ ሒዘ ክመጽእ ኣለኒ ኢለ ዝመረጽክዎ መጸውዒ እዩ። ኮር ባርያ ዝመረጽኩሉ ምኽንያት ድማ፡ ሓንቲ ካብ’ተን ፍሉጣትን መሳጢ ዛንታ ዘለወንን ዓድታት ናይ ኤርትራ’ያ። ብጥልያን ክትድመጽ እንከላ’ውን ምቹእ ደሃይ ስለእትህብ፡ ንጠላይን ሌላ ክትኮነኒ ብምባል ክሓርያ ክኢለ። ብካልእ ወገን ከኣ፡ ዋላ ድኣ ኣይብጽሓያ እምበር፡ እዛ ዓዲ ናይ ዓባየይ ዓዲ ምዃና እፈልጥ እየ። እቲ ሓቐኛ ስመይ ግን፡ ዳኒኤል ስላስ’የ ዝብሃል።
– እሞ ሕጂ እንታይ ኢለ ክጽውዓካ?

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን