June 5, 2021

ቃለ-መሕትት ምስ
ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል –
ፍስሃየ ሃይለ (ኣፍሮ)

ተስፋኣለም የማነን ዮሴፍ ሃይለማርያም

ክልቲኦም ወለዱ ኣብ ግዜ ቈልዕነቱ ብሞት ስለዝተፈልዩዎ ብዝኽትምና’ዩ ዓብዩ። እንተኾነ፡ ናይ ቀረባ ቤተሰቡ ክንዲ ኣቦን ክንዲ ኣደን ኮይኖም ስለዝኣለይዎን ዘዕበይዎን፡ ዝገጠሞ ብድሆ ሰጊሩ ኣብ ዝብጻሕ ክበጽሕ ኣይተጸገመን። ሳላ ትግሃቱን ዘይሕለል ጻዕሪ ቤተሰቡን ከኣ፡ ነቲ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ዝረኸቦ ጸቢብ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብዝግባእ ተጠቒሙ፡ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምህንድስና ወዲኡ። ብድሕሪ’ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኢትዮጵያ ብሞያኡ ሰሪሑ። ኣይደንጎየን፡ ከም ኣካል ናይ’ቲ ሽዑ ዝነበረ ርሱን ሃገራዊ ስምዒት፡ ኣብ ዋህዮታት ሰውራ ተጠርኒፉ ንናጽነት ኤርትራ እጃሙ ከበርክት ምስ ጀመረ፡ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ጸላኢ ስለዝኣተወ፡ ኣብ 1973 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተጸንቢሩ። ብንእስነቱ ሒዙዎ ዝዓበየ ህድኣት ዝተሓወሶ ባህርያቱ፡ ሓደ ካብ’ቲ ብላዕለዎት ሓለፍቱን መቓልስቱን ፍቱው ዝገበሮ እዩ። ኣብቲ ትብዓትን ብልሓትን ዝሓትት ስለያዊ ዕማማት ውድብ ህ.

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ