September 5, 2021

ቃለ-መሕትት
ምስ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ
ጽሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሕን

ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ብኣጋጣሚ መበል 60 ዓመት ኣልማዛዊ እዮቤልዩ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ – 1 መስከረም፡ ምስ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት እነሆ፦

ኤርትራ ጽባሕ ረቡዕ 1 መስከረም፡ መበል 60 ዓመት – ኣልማዛዊ እዮቤልዩ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ክትጽምብልያ። ንምዃኑ ሕጂ ድሕሪ’ዚ ኩሉ ዓመታት ኤርትራና ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ትርከብ?
ብመጀመርታ፡ ብኣጋጣሚ እዚ ኣልማዛዊ እዮቤልዩ ወይ መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልስና፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዮሃና! ክብል እደሊ። ኣብ’ቲ ኣርእስቲ ንምምጻእ፡ ዓቢ ኣርእስቲ እዩ ተላዒሉ ዘሎ – ግን ኣቐዲመ ናብ’ቲ ህሉው ኩነታትና ምድሃብ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ’ዚ – እቲ ኤርትራ ዝበሃል እንታይ እዩ? ብኸመይ ንጥምቶ ንሕና? እዚኣ ኣገዳሲት ስለዝኾነት ክንፈልጣ ይግበኣና እዩ። ብፍላይ በዚ ኣጋጣሚ፡ ድሕሪ 60 ዓመት ናይ ብረታዊ ቃልሲ እንብሎ፡ 30 ዓመት ናይ መኸተ ቃልሲ፡ ቅድሚኡ ከኣ ካብ 41 ክሳብ 61 ፖለቲካዊ ቃልሲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝንጸባረቐሉ እዩ። ስለ’ዚ 60 ዓመት ዘይኮነ 80 ዓመት ካብ 1941 ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣትሒዝና ክንቈጽር ንኽእል ኢና። 80 ዓመት ኢና ተዳሂኽና። ክሳብ ሕጂ ኣዕሪፍና ኣይንፈልጥን። ካብ 1941 ክሳብ ሕጂ ይቕጽል እዩ ዘሎ።

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ