February 21, 2020

ቃለ-መሕትት ምስ
ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ዘቤታዊ ጒዳያት

ክቡር ፕረዚደንት፡ ምስናይ ዘሎ ብድሆታት እቲ ብደረጃ ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታት፡ ኣብ ልምዓታዊ መደባትን ወፍሪ ርእሰ-ማልን ደራኺ ኣበርክቶ ክህልዎ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ። ምስ’ዚ ምዕባለታት ተኣሳሲሩ፡ ኣብ ርእሲ ናይ ግዳም ወፍርታት፡ ሽርክነታዊ ዞባዊ መደባት ልምዓትን ናይ ደቂ ሃገር ወፍሪን ንምትብባዕ እንታይ ይሕሰብ?
ብቑጠባ ነብስና ከይንኽእል፡ ቁጠባና ከይነሐይል ምእንቲ፡ ህዝቢ ተጫኒቑ ብጥምየትን ብረዲአት ናይ ሕቡራት ሃገራትን ዘይመንግስታውያን ውድባትን ከምዝነብር ንምግባር፡ ንዓና ጥራይ ዘይኰነ፡ ንካልኦት ህዝብታት’ዚ ከባቢና እውን ብኸምኡ እዮም ዝሕዝዎ። ካብ’ዚ ወጺእና፡ ናይ ብሓቂ ጥጡሕ ናይ ልምዓት ሃዋሁውን ባይታን ፈጢርና ገስጋስና ከነሐይል ይግባእ። ከም ኣብነት ክዀነና ናይ ወጻእተኛታት ከነምጽእ። ፋብሪካ ጡጥ (ባራቶሎ) ተወዲኡ. . . ኣብ ዝተባህለሉ እዋን፡ ነቲ ፋብሪካ ክንገዝኦ ኢሎም። ናትና ናይ ቊጠባ ክኢላታት ዝተሳተፍዎ ገምጋም ከኣ ተገይሩ። እቲ ርእሰ-ማል (Asset) ማለት ማዕጾ፡ መንደቕ፡ ሓጺን፡ ሮታመ ወዘተ ከምዚ’ዩ ዝመስል ተባሂሉ ምስ ተጸብጸበ፡ ብኽንደይ ሚልዮናት ተገምጊሙ ነይሩ። ንዕኡ ብሚልዮናት ምሻጥ ድዩ ዘወጻጽኣካ ዋላ ነቲ ኢንዱስቱሪ…

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ