February 13, 2016

ቃለ መጠይቕ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ቃለ መጠይቕ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2016(23ን 22ን ጥሪ 2016)፡ ብቴለቪዥንን ሬድዮን ብቐጥታ ዝተፈነወ፡ ኣብ ኩለንተናዊ ምዕባለታት ሃገርናን፡ ንኩነታት ሃገርና ኣብ ዝጸልዉ ዞባውን ዓለማውን ምዕባለታትን ተርእዮታትን ዘተኮረ፡ ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ሰፊሕ ቃለ – መሕትት ኣካይዱ ። ትሕዝቶ ናይቲ ቃለ – መሕትት እንሆ፦

ክቡር ፕረዚደንት እንቋዕ ናብ ሓዲሽ ዓመት 2016 ኣሰጋገረና። እዛ ዓመት እዚኣ ብሩራዊ ኢዮበልዩ ናጽነትና እንጽምብለላ ዓመት’ያ። ሽግ ናጽነት ድሮ ካብ ናቕፋ ተበጊሳ ኣላ። ኣብ ቀረባ መጻኢ፡ ጒዕዞ 25 ዓመታት ዝግምግም ሰፊሕ ቃለ-መሕትት ከነካይድ ድማ መደብ ኣለና። ተስፋ ንገብር ምስ ካልእ ከቢድ ዕማማትካ ነዚ መደብ’ዚ እውን ግዜ ክትህበና። ንሎሚ ግን፡ ብኣጋጣሚ ምጅማር ሓዲሽ ዓመት ናብ ህሉዊ ዞባዊን ዘቤታዊን ኲነታት ዝቐንዑ ሕቶታት ሒዝና ቀሪብና ኣለና፡ ፈለማ ብዘቤታዊ ጉዳያት ክንጅምር። ክቡር ፕረዚደንት ሕቶና ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዝተተግበረ ምቕያር ወረቐታዊ ባጤራ ‘ናቕፋ’ ክንጅምር። እዚ ስጒምቲ’ዚ ብመንጽር ቊጠባዊ ዕብየት ክረአ እንከሎ እንታይ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል? ንምቕያር ባጤራ ዘሰንዩ ብፋይናንስያዊ ትካላትና ክነጸሩ ዝግብኦም ስጉምቲታትን ፖሊሲታትንከ ከመይ ይመስሉ?

መጀመርያ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ንዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉኡ፡ ርሑስ ሓዲሽ ዓመት እብል። ናይ ባጤራ ሕቶ ምእንቲ ወረቐት ምቕያር ዝመጸ ኣይኰነን። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ቅርጻዊ ቊጠባዊ ምትዕርራይ ንምምጽእ ዝዓለመ’ዩ። ኣብዚ፡ እንታይ’ዩ ቅርጻዊ ቊጠባዊ ምትዕርራይ? እንታይ ስለዝተመዛበለ እዩኸ ምትዕርራይ ዝድለ ዘሎ? እንታይ ከተዕሪ እትደሊ? ከመይ ገይርካኸ ተዐርዮ? ብኣየናይ ኣገባብ ኢኻ ተዐርዮ? ዝብሉ ዓበይቲ ሕቶታት ክለዓሉ ይኽእሉ’ዮም። ነዚ ምትዕርራይ’ዚ ክሕግዙ ካብ ዝኽእሉ መሳርሒታት (Tools) ሓደ ባጤራ’ዩ። ኩሉ’ቲ ቊጠባዊ ምትዕርራይ ዘድልዮ ጉዳያት፡ ባጤራ ብምቕያር

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...