February 27, 2015

ቃለ መጠይቕ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ቃለ መጠይቕ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2015 ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብቕድሚ ትማሊ 30 ታሕሳስ 2014 ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ቃለ መሕትት ኣካይዱ ነይሩ። ጥዑምዝጊ ተስፋይ ጽሑፋዊ መልክዕ ኣትሒዙ ኣዳልዩልኩም ኣሎ – እንሆ፦

***

– እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2015 እንሰጋገረሉ ቅንያት ኣብጻሓና! ሕቶታትና ብቐንዱ ናብ ውሽጣዊ ኲነታትና ዝቐንዐ እንተ ዀነ’ኳ፡ ዘቤታዊ ኩነታት ብኣህጉራዊን ዞባዊን ጉዳያት እውን ስለ ዝጽሎ፡ መእተዊ ምእንቲ ክዀነና ናብኡ ዝቐንዐ ሕቶ ከቐድም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዓለምና ብኣዝዩ ተሃዋሲ መድረኽ እያ ሓሊፋ። ቁጠባዊ ምከት፡ ህዝባዊ ናዕብታት ዘስዓቦ ሕንፍሽፍሽ፡ ግጭታትን ሽበራዊ መጥቃዕትታትን ከኣ ጉሉሕ መርኣያታት እዮም። ሰፊሕ ኣርእስቲ እንተ ዀነ’ኳ፡ ነዚ ቃለ መሕትት ብዝጥዕም መንገዲ ብሕጽር ዝበለ ንህሉው ኣህጉራዊ ሃዋሁው ከመይ ትገልጾ? ኣመታቱኸ?

– ፈለማ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ርሑስ ዓመተ 2015 እብል። እዚ ኣርእስቲ ገጂፍ እዩ። ኣቕልል ኣቢለ ክምልስ ግን፡ ኣብ’ቲ ጉዳይ ዘለና ኣናብባ እዩ ዝገልጾ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዕልቕልቕ ወይ ዕግርግርን ሕንፍሽፍሽን መበገሲኡ እንታይ እዩ? ነቲ ተርእዮታት ከመይ ገይርካ ተንብቦ? መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰባት ዘሎ ረጽሚ፡ ኣብ ኩሉ ታሪኽ ሕብረተሰብን እዋናትን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሕብረተሰብ ምትፍናን ወይ “ፖላራይዜሽን” ክመጽእ ከሎ፡ ናብ ናዕቢን ረጽሚን እዩ ዘምርሕ ኢልካ ክትግምግም ትኽእል።

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ