November 7, 2025
ቃለ-መጠይቕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ፣
ምስ ልኡኽ ኤረ-ቲቪ

ሰላሓዲን ሑሴን
ትርጉም፥ ዑቕባስላሰ መሓሪ
ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ 30 ጥቅምቲ ክሳብ 4 ሕዳር 2025፡ ኣብ ዓረባዊት ሪፑብሊክ ምስሪ፡ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ስራሕ ኣካዪዱ ነይሩ። ኣብ መመረቕታ ዓቢ ቤተ-መዘክር ምስሪ’ውን ተሳቲፉ። ከምኡ’ውን ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል’ሲሲ ሰፊሕ ዝርርባት ኣካዪዱ። ብዛዕባ ዑደቱን ውጽኢቱን ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘካየድናዮ ቃለ- መጠቕይ ይስዕብ፥
ክቡር ፕረዚደንት ስነ-ስርዓት መመረቕታ ዓቢ ቤተ-መዘክር ምስሪ ከመይ ረኺብካዮ፧ ንታሪኻዊ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ቤተ መዘክር ኮነ፡ ምርኢት መመረቕታ ከመይ ትገልጾ፧