August 25, 2022

ቃል ኣሰናዳኢ

ብቕዓት ሕብረተሰብ ብቐንዱ ኣብ ብቕዓት መንእሰይ እዩ ዝምርኰስ። ሓይሊ ሕብረተሰብ – ብቕዓት መንእሰይ እዩ። ንቝሕን ብቝዕን መንእሰይ ዘይሓዘ ሕብረተሰብ፡ ምዕባለ ከረጋግጽሲ ይትረፍ፡ ብህይወት ክሰርር እውን ንጋዳ ምዃኑ ዝሓለፈ ጉዕዞ ብግብሪ ኣርእዩና እዩ። መንእሰይ ኣብ ዝዀነ መድረኽ፡ ካብ ውልቃዊ ህይወት ምምራሕ ንላዕሊ፡ ኣጸቢቝ ዝዓዘዘ ሕብረተሰብኣዊ ሓላፍነት ዝስከም ወሳኒ ኣካል ሃገርን ሕብረተሰብን እዩ። መንእሰያት ኤርትራ እምበኣር፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ብምግንዛብ፡ መድረኻዊ ተልእኾናን ሓላፍነትናን ኣብዚ ሓድሽ ምዕራፍ ብብቕዓት ክንፍጽም፡ ብኹሉ መዳይ ድልዋትን ብቝዓትን ክንከውን የድልየና። ዕላማ ህዝብን
መንግስትን ኤርትራ ከምቲ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ዝጸንሐ ፍሉጥን ንጹርን እዩ። ብሓጺር ንምግላጹ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ድሕነትና ዘሎ ስግኣት ምሉእ ብምሉእ ምቕንጣጥ፡ መደባት ልምዓት ምሕያልን ደረጃ መነባብሮ ህዝቢ በብእዋኑ ምምሕያሽን፡ ምስ ጐረባብትና ተጀሚሩ ዘሎ ዝምድና ምዕቃብን ንሰላምን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ
ብዘይ ምሕላል ምስራሕን ከምኡ`ውን መደባት ሽርክነት ምዕባይን ካልእን እዩ።
ነዚ ዕላማታትዚ ንምዕዋት፡ መንእሰያት ኤርትራ ምዕባለታት ኣብ እዋኑን ብደቂቕን እናተኸታተልና፡ ንዅሉእንተታት ወትሩ ድሉዋት ክንከውን፡ ምርጫ ዘይኰነ ግዴታ

download

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie