June 9, 2018

ቃል ኣሰናዳኢ

ዘለናዮ መድረኽ፡ መድረኽ ምጥንኻር ዕዮን ኩለንተናዊ ገስጋስን፡ መድረኽ ምምዕባል ሞያ፡ብቕዓትን ናይ ምግባር ተኽእሎን እዩ። ነዚ ተልእኾ’ዚ ብብቕዓትን ብምልኣትን ፈጺምና፡ ብዕዮና ኣብ ሃገራዊ ራእይና ከም እንዓልብ ድማ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ራእይ ብዕዮ ስለዝብጻሕ! ናይ ሎም ዘበን በዓል ናጽነትና “ራእዪ ብዕዮ!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኢና ንጽንብሎ ዘሎና። ኣውራ ኣተኩሮ ዓምዲ ጉዳያት መንእሰይ ኮይኑ ተዳልዩ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዙሓዊ ኣቋውማ ዘለዎ ሕብረተሰብ ክንሱ፡ ሓድሕዳዊ ባህሉ፡ ልምዱን እምነቱን እናተኸባበረ፡ ንዘመናት ብስኒት፡ ፍቕሪን ምትሕልላይን ዝተነባበረ ህዝቢ እዩ። ንሃገራዊ ናጽነት ኣብ ዘካየዶ ሓባራዊ ገድሊ ድማ፡ ነቲ ነዊሕ ሰረት ዘለዎ ማሕበራዊ ስኒቱ ዝያዳ ላዛን መቐረትን ወሲኽሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ባህላዊ ብዙሕነት ኤርትራ፡ ነቲ በብሉጹን ዘሐብንን ክብርታት እናመረጸ፡ ንኹሉ ትሕተ ሃገራዊ ክፍፍላት ዝሰገረ፡ ስልጡን ሃገራዊ ባህልን ክብርታትን ከዐንብብ ክኢሉ እዩ።

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie