August 12, 2018

ቃል ኣሰናዳኢ

ናይ ሎሚ ዓመት ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት፡ ሳላ ዘይጽዓድ መኸተን ጽንዓትን መንእሰያት ኤርትራ ተጋሂዱ ኣብ ዘሎ ሓድሽን ትስፉውን ሃዋህው እዩ ዝካየድ ዘሎ። መንእሰይ ኤርትራ፡ ነዚ ፈስቲቫል’ዚ ን20 ዓመት መመላእታ ብጽንዓት ዝመከተሉ ፍትሒ ናይ ምርግጋጽ ጉዳይ፡ መሊኡ ኣብ ዝተዓወተሉ፡ ዕዙዝ ኣጋጣሚ ኮይኑ እዩ ዝጽምብሎ ዘሎ። እዚ ናይ ዓወት ሃዋህው’ዚ፡ ንፈስቲቫልና ዝያዳ ድምቀትን ርዝነትን ሂብዎ ኣሎ። መጻኢ ኤርትራ ኣዝዩ ትስፉውን ውሕስነትን ዘለዎን እዩ። እዚ ድማ፡ ብቐንዱ ጻማ ህርኩትና ህዝቢን መንግስቲን ብሓፈሻ፡ ጻማ ናይ’ቶም ረብሓ ሃገር ቅድሚ ውልቃዊ ረብሓ ኣቐዲሞም፡ ንዓመታት ብተወፋይነት ንልምዓት ሃገር ዘገልገሉ ንቑሓትን ጻዕራማትን መንእሰያት ናይ’ዚ መድረኽ’ዚ እዩ። ታሪኽና ታሪኽ ናይ’ዚ መድረኽ’ዚ መንእሰያት እምበኣር፡ ታሪኽ ምንጻፍ ድልዱልን ውሑስን መሰረት ንዘላቒ ቁጠባዊ ዕብየት ተባሂሉ ክግለጽ ዝከኣል እዩ።

Latest Articles

في حوار مع السيد/ صالح أحمد دين رئيس الإتحاد الوطني لشباب وطلبة...

ዓዳት ወመናበረት ደሃሊክ

Understanding Eritrea’s Distinctive Development Vision