November 3, 2018

ቃል ኣሰናዳኢ

ንስለ ዕላማን ባህጊን ሕብረተሰብ ምዉፋይ፡ ብርቱዕ ሃገራዊ ፍቕሪ ዘለዎ መንእሰይ ጥራይ ዝበጽሖ ደረጃ ንቕሓት እዩ። ናይ ትማሊ ሃገራውያን መንእሰያት ነዚ ብተግባር ኣመስኪሮሞ እዮም። ትውፊቶም ከኣ ኣብ’ዞም ናይ ሎሚ መንእሰያት ደሚቑ ይርአ ኣሎ። ናይ ትማሊን ሎሚን መንእሰይ ኤርትራ፡ ንኹሉ ሃገራዊ ጉዳያት ብሓላፍነታዊን ዋንነታዊን መንፈስ ዘዐውት፡ ብእኩብ ዝሓስብ፡ ምእንቲ ሓባራዊ ረብሓ ዝዉፈን ብምዃኑ፡ ጉዕዞ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ወትሩ ዕዉት ክኸውን ካብ ዘኽኣሎ ረቛሒታት እቲ ዝዓበየ እዩ። ኣንጸባራቒ ታሪኽን ድሙቕ ዓወትን መንእሰያት’ዚ ሃገር ግን፡ ሳላ ኣልያን ምምእዛንን ናይ መላእ ሕብረተሰብን መሪሕነቱን ዝተፈጠረ ምዃኑ ክርሳዕ ኣይግባእን፡፡ እጂ እውን፡ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ ታሪኻዊ ናይ ሰላምን ትስፉውን መድረኽ፡ መንእሰያት ብዝለዓለ ወኒን ናህሪን ገስጊሶም፡ ራእይ ህዝቢን ሃገርን ኣብ ምዕራፉ ከብጽሑ፡ ውሕሉልን ኣተባባዒን ምእዘና ሕብረተሰብን መሪሕነቱን ኣዝዩ ወሳኒ እዩ እሞ፡ ኩሎም ኣካላት መንግስቲ፡ ግንባርን ሕብረተሰብን ብዕቱብነት ክሰርሕሉ ዝግባእ’ዩ። ናይ’ዚ መድረኽ መንእሰይ እውን ከም ቀዳሞት መንእሰያት ኣብ ህንጸትን ልምዓትን ሃገር፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓድሽ ታሪኽ ክሰርሕ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኤርትራውያን ከም ህዝቢን ሃገርን ብዝለዓለ ናህሪ ኣብ…

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie