January 2, 2022

ቃል ኣሰናዳኢ

ሰውራ ኤርትራ ብዘይዝኾነ ደገፍ፡ ምስ ሓያላት ተረባሪቡ፡ ናጽነት ኤርትራ ከረጋግጽ ዘኽኣሎ ምስጢር እንታይ’ዩ ነይሩ? እንተድኣ ኢልና፡ እቲ ረቂቕ ሓይሊ፡ ማለት ፖለቲካዊ ብቕዓት ተቓላሳይ ህዝብና እዩ ነይሩ። ሓይሊ ገንዘብ ኣይኮነ፡ሓይሊ ኣጽዋር። ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ኣብ ልዕለና ዝተፈተነ ወተሃደራዊ፡ ጸጥታዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያውን መልክዓት ዝነበሮ እልቢ ዘይብሉ ተጻብኦታትን ሽርሒታትን እውን፡ ሳላ’ቲ ኣብ ነዊሕ ቃልሲ ዝተሃንጸ፡ ብዙሓት ሃገራት ክውንንኦ ዘይክኣላ ረቂቕ ሓይሊ፡ ሃገራዊ ጥምረትን ንቕሓትን ኢና፡ ብልዑል ተጻዋርነትን ተወፋይነትን ክንምክቶን ክንሰግሮን ክኢልና። እዚ ረቂቕ ሓይሊ’ዚ እምበኣር፡ ካብ ገንዘብን ዝተራቐቐ ኣጽዋርን ንላዕሊ፡ ብሉጽ ህዝባዊ ዕጥቂ ምዃኑ ኣመስኪሩ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስናይ ኩሉ ተጻብኦታት፡ ውሽጣዊ ጸጥታኡን ሰላሙን ዓቂቡ፡ ብርእሰ ተኣማንነት ክጓዓዝን፡ ነቶም ብዓቕሚ ኣዝዮም ጸብለል ዝብልዎ ሓይልታት ኣረብሪቡ፡ ወትሩ ዕዉት ኮይኑ ክወጽእን ወሳኒ ግደ ክጻወት ዝጸንሐ ድማ`ዩ። ናትና ታሪኽ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ካልኦት እውን ከምዘረጋግጾ፡ ኣብ እዋን ኲናት ይኹን ሰላም፡ ንሓይሊ ሓደ ሕብረተሰብ ዝውስኑ፡ ብዙሓት ረቛሒታት እኳ እንተለዉ፡ ኣይከም ፖለቲካዊ ብቕዓትን። ዕዉት ህዝቢ፡ እቲ ጸግዒ ዘለዎ፡ ወይ ገዚፍ ሰብኣዊን ንዋታዊን ጸጋታት ዝውንን ዘይኮነ፡ እቲ ስሙርን ብሉጽ ሃገራዊ ክብርታትን ልዑል ፖለቲካዊ ብቕዓትን ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ኣብዚ ጎዶቦና ሓይሊ ሚዛኑ በሪኹ ክወጽእ ምኽኣሉ ኸኣ፡ነዚ ሓቂ’ዚ ደጊሙ ኣድሚቕዎ ኣሎ። ሕጂ`ውን ኣብዚ ናይ መኸተ፡ ንቕሓትን ልምዓትን እዋን፡ብሕልፊ ተረከብቲ

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ