June 22, 2019

ቃል ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ 20 ሰነ 2019

ልዕሊ ሰማእታትና ምዝካር ሕድሮም ደጋጊምካ ንምኹላዕ፡ ህዝቢ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ንዘካየዶ ድሙቓ ኣበዓዕላ እዛ ዕዝዝቲ ዕለት፡ ዮሃናን ምስጋናን።
ሰማእታትና ብጅግንነቶምን ብዝኸፈልዎ ክቡር ህይወትን፡ ጸጋታትን ሓይልን እዛ ሃገር ኣራቢሖም ነቲ ዘይመጣጠን ዝመስል ዝነበረ ናይ ጉልበት ምዕሪት፡ ንረብሓ ናጽነት ክውን ጌሮም፡ ድሕሪ ናጽነት’ውን ልዑላውነት ንምርግጋጽ ዳግም ዘረጋገጽዎ ቅያ፡ ኣብ ሃገራዊ ታሪኽ ህላወናን ገስጋስናን መዘና ኣይክርከቦን ኢዩ። ህይወቶም ዕሩብን ዋጋን ምኽፋል ጥራይ ዘይኮነ፡ ዘውረስዎ ስርዓተ ክብርታትን ባህልን ንሓይልን ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ እናራብሐ ዘዛየዶ ፍናናዊ ጸጋውን ብዋጋ ዘይትመን ኢዩ። ስለቲ ኣብነታውነቶምን ብግብሪ ምሂሮም ዘውረሱና ክብርታት ከኣ ምስጋናን ክብርን ስለ ዘይኣኽሎም፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዕዙዝ ኣጋጣሚ ደጊምና መብጽዓና ከነሐድሰሉን ሕልናዊ ግዴታን ሓላፍነትን ኢዩ ብኣጋጣሚ ናጽነት በቲ ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት ዝተሰምየ ቴማ ህዝቢ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘቕረቦ ገላጺ መሰናድኦ ከኣ፣ ሓቀኛ ምስክር ናይቲ መብጽዓ’ዩ ኔሩ።

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን