May 25, 2022

ቃል ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ
ኣብ መኽፈቲ ወግዓዊ ጽምብል በዓል ናጽነት

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን!
ፈለማ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን፡ ዮሃና ንመበል 31 ዓመት ናጽነት እናበልኩ፡ ንመሰናድኦ’ቲ በዓል ኣበርክቶ ዝገበሩ ኩሎም፡ ልዑል ምስጋና።
ከምኡ’ውን፡ ንኹሎም ፈተውትን ዮሃና ዝበሉን፡ ምስጋና!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ኣብዚ ኣብ ዓለምን ጎዶቦናን ‘ንከታተሎ ዘሎና ነውጻዊ ምዕባለታት፡ መበል 31 ዓመት ናጽነትና፡ ናታ ፍሉይ ቃና ኣለዋ። ኣብ’ዛ ፍልይቲ ዓመት’ዚኣ፡ ሕድሪ ናጽነትናን ልዑላዊነትን ምእንቲ ከነዕዝዝ፡ ብዝሓለፈን ህሉውን ይኹን ንመጻኢ፡ በቲ ሓደ ኢድ፡ ብዓለምን ብዞባናን ደረጃታት’ውን፡ ትማልን ሎምን ብዝረኣናዮ፡ ንጽባሕ እንታይ ክንጽበ ከም’ንኽእልን፡ ንሓዋሩ ኸኣ፡ እንታይ ክንዓምም / ክንገብር ከምዘሎናን፡ በቲ ኻልእ፡ ሰገጥ ኢልካ ምሕሳብ ዝሓትት’ዩ።
ኣብ 1941፡ ድሕሪ ምኽታም 2ይ ዓለማዊ ኲናት፡ ናጽነትን ልዑላዊነትን ኤርትራ፡ ባህርያዊ መስመሩ ሒዙ ከይብገስ፡ ብናይ ሽዑ ሓያላን ስለዝተዓግተ፡ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት፡ ከም ተቓውሞ’ዩ፡ ፋልማይ ሰረት ከንጽፍ ጀሚሩ። ንኤርትራ ኣዕኒኻ ብምልሓቕ፡ ን’’እስትራተጂያዊ’’ ዝበሃል ረብሓታት’ቶም ሓያላን ከም እተገልግል ንምግባር፡ መሳርዕ ኤርትራውያን ብምስምስ ሃይማኖታት በታቲንካ ንምስናፍ ዝተሃቀነ ፖለቲካዊ ውዲት፡ ንፖለቲካዊ ንቕሓት ኤርትራውያን ክብ ኣቢሉ፡ ንፖለቲካዊ ቃልስታቶምን ኣወዳድብኦምን ኣማዕቢሉ፡ ንመሰረት ናጽነትን ልዑላውነትን፡ ኣዕሚቑ’ዩ ነዲቑ። ነቲ ዓይነታዊ ሞመንቱም እናዛየደ ዝማዕበለ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሓይልታት ዕብለላ ዝተሓርየ ወተሃደራዊ ጭፍለቓ ኸኣ፡ ንዕጥቃዊ መኸተን ተቓውሞን ህዝቢ ኤርትራ ወሊዱ፡ ንመንደቕ ናጽነት ናብ ዝሓየለ ብራኸ ሓፍ

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ