May 29, 2025
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፣ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፣
ንሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን፣ ምስ ኩሎም ፈተውቱን፣ ሓራ ህዝቢ ዓለምን ዮሃና!
ኣብዚ ካብ ዓመት ናብ ዓመት፣ እናደመቐን እናሓየለን ዝኸይድ ጽምብላት፣ ነዛ ናይ 34 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት፣ ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት፣ ግርማ ዘልበሱ ኩሎምን፣ መልእኽቲታት ዮሃና ዝለኣኹን፣ ልዑል ምስጋና! ናጽነትናን ልዑላዊነትናን ውህደትናን ብጹእነት መርየትናን (Independence, Sovereignty, Unity, Territorial Integrity)፣ ዓመት-ዓመት፣ ኣብ ውሽጢ ከቢድ መስርሕን ምዕባለን ሃገራዊ ህንጸትና (Nation Building) ኣብ ‘ንግምግመሉ፣ ብመንጽር ዓለማዊን ዞባዊን ምዕባለታት ኪርአ’ንከሎ፣ ናጽነትና ምሕያልን ምድራዕን፣ ካብቲ