May 29, 2020

ቃል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ
ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት 2020

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
በዛ ዕዝዝቲ ዕለተ-በዓል ሃገራዊ ናጽነት 2020፤ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን፤ ዮሃና! ምስናይ’ቲ ዘንጸላሉ ዘሎ ለበዳ ኮሮና፤ ንትእምርቲን ድምቀትን ናይ’ቲ በዓል፤ ተባላሒቶም መሰናድኦታት ንዝወደቡን ኣበርክቶ ዝገበሩን – ኮሚሽን ባህሊን ስፖርትን፡ ኩላቶም ኣካልትን ሰባትን – ልዑል ምስጋና!ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ለበዳ ኮሮና፤ ብኸመይ፡ ካበይከ መጺኡ? ዝብል ኣከራኻሪ ሕቶ፡ ብጐኒ ኣጽኒሕና፤ እዚ ኣብ ታሪኽ ሰባት፤ መዳርግቲ ዘይርከቦ፤ ኣብ 21 ክፍለ-ዘመን፤ ስነ-ፍልጠት በሪኽ ቦታ ኣብ ዝሓዘሉ መዋእል፤ ዘጕሂ ህልቂት ሰባት ዘኸትል ዘሎ ሃንደበታዊ ሓደጋ / ስግኣት (threat)፤ “ናይ ተበራበር ጻውዒት” (wake-up call) ስለዝዀነ፤ ከም መለበሚ ዕድል ወሲድና፤ ፍልጠትናን መረዳእታናን እናዕሞቕና፤ ማዕረ-ማዕረኡ፡ ንመጻኢ ዘማዕዱ ጐደናናን ኣካይዳናን ከነመዓራሪ፡ እዋኑ’ዩ።ካብ ፈለማ፤ እቲ ለበዳ ኣብ ዘንጸላልወሉ፤ ዝፍለጥ ይኹን፡ ኪፍለጥ ዝኽእል’ውን ስለዘይነበረ፤ ድሩትነት ዓቕምና’ውን ብምግንዛብ፤ ብዘይካ ረጋጢ ምክልኻል፡ ኣማራጺ ስለዘይነበረ፤ ዘድሊ ስጉምቲ ተወሲዱ። ዛጊት፤ ነቲ ካብ ግዳም ዝተላብዐ

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን