August 27, 2023

ቃል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ
ኣብ መበል 15 ዋዕላ ‘ብሪክስ’

ፈለማ፡ ምስ’ቶም ቀዲሞም ሓጎሶም ዝገለጹ ብምጽንባር፡ ንዓኻ ክቡር ፕረዚደንትን (ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ) ካልኦት መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ‘ብሪክስ’፡ መበል 15 ዋዕላ ከተቃንዑ ብምብቃዕኩም እንቋዕ ኣሐጎሰኩም እብል። ንህዝቢን መንግስቲን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ስለ’ቲ ዝናውን ምውቕን መስተንግዶኹም ዓሚቚ ምስጋና። እዚ ዋዕላ’ዚ፡ ግሎባዊ ማሕበረሰብ ኣብ ቀራና መንገዲ ኣብ ዝርከበሉ ወሳኒ እዋን’ዩ ዝካየድ ዘሎ። እቲ ነጊሱ ዘሎ ሓቛፊ ዘይኮነ፡ ዘየቃዱ፡ ኢፍትሓዊ ሕግታትን መምሪሕታትን ዝሕላገቱ ዓለማዊ ምሕደራ፡ መንቅባቱን ሕጽረታቱን ምግናን ዘየድልዮ ጉሉሕ ጭብጢ እዩ። ኣመሪካ እትመርሖ ጸቢብ ናይ ፍሉያት ልፍንቲ (ፓክስ ኣመሪካና) ንኣስታት ሓደ ዘመን፡ ሓባራዊ ግሎባዊ ዕብየት ዝዓንቀጸ ከቢድ ማህሰይቲ ኣውሪዱ እዩ።

download

Latest Articles

Keynote Address of Minister Fawzia Hashim at the...

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...