June 23, 2018

ቃል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ
በዛ ዕዝዝቲ ዕለት፡ ንሃገራዊ ሓርነትን ጸወን (protection) ልዑላዊነትን፡ ብጅግንነት ንዝተሰዉኡ
ሰማእታት፡ ብክብሪ ንምዝካር፡ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን፡ መላእ ህዝቢ ምስ ህጻናትን ኣረጋውያንን፡ ዝተፈላለየ
መሰናድኦታት. . . ምብራህ ሽምዓ፡ ምትካል ኣግራብ፡ ስፓርታዊን ባህላዊን ንጥፈታት ዝወደቡ ኩሎም፡ ልዑል
ምስጋና።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምንዓመተ 2018 ብፍሉይ፡ ምስ ዝሓለፈ ፈላሚ ዓመት ካልኣይ ርብዒ-ዘመን ናጽነትና፡ መዋእል መቐይሮ ወይ ምስግጋርዝርኣየለን ዘሎ ዓመታት ብምዃነን ንናይ ሎሚ ዕለተ ሰማእታት ፍሉይ መኣዛ ዝህብ’ዪ።ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን፡ ንግዳዊ ዓለማዊ ኣጀንዳታት ከገልግል ተባሂሉ ብዝተሓርየ ፓሊሲታት፡ ናይ ክልተ ወለዶታት ዕድላት ከሲሮም’ዮም። ብናይ ሓባር ቃልሲ ሓርነታቶም ረኺቦም፡ ንኽለተኣዊ ተመላላኢ ረብሓታቶም ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሓባራዊ ዕብየት ህዝብታት ቀርኒ-ኣፍሪቃን ኪኖኡን፡ ኣብ 1991 ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ዝተበገሱሉ፣ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ርብዒ-ዘመን፡ ብደግሲ ዝምቡዕ ዓለማ ፓሊሲታት፡ ዝወረደ ዕንወት ዝተኸስረ ዕድልን፡ ዝተኸፍለ መስዋእቲን ኣዝዩ ከቢድ’ዩ ነይሩ። ሰለስተ ተኸታተልቲ ምምሕዳራት ኣብ ዋሺንግተን፡ ብሎተሪያ ሶቭየት፡ ተረኽበ ኢሎም…

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን