June 3, 2017

ቃል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን!
ተሳተፍቲን ዕዱማትን!

ዮሃና ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን! ምስጋና ንወደብቲን ኣማዕረግቲን በዓል ናጽነት!
እዛ ኣቲናያ ዘሎና ዓመት፣ ፈላሚት ካልኣይ ርብዒ-ዘመን፣ ኣብ መዋእል ናጽነትና’ያ። ርብዒ ዘመን ብፍቕዲ ዓመታትናጽነትና ጥራይ ዘይኰነ፤ ኣብ ዓለማዊን ዞባዊን መድረኻት’ውን፡ ኣገደስቲ ምቅይያራት ወይ ምስግጋራት ዝርኣየላ ዘሎ እዋን’ያ። ልዑላውነትን ናጽነትን ኤርትራ፣ ካብ ዝዀነ ካልእ ናጽነታት ፍሉይ ዝገብሮ፤ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቅድሚ ዝዀነ ካልእህዝቢታት ኣፍሪቃ፣ መሰል ርእሰ-ውሳኔ እስትሕጋጉን እንከሎ፤ ካብ 2ይ ኲናት ዓለም ተዓዊቶም ዝወጹ ሓያላን፣ ነቲመሰል ክሒዶም ብሓይሊ ንምጽዓዱ ኣብ ዘንቀዱሉ፤ ብዘይ ዘራያት ንኽልተ ልዕለ-ሓያላን ኣባራርዩ መኪቱ፤ ኣብኣፍሪቃ ዝገዘፈ ሰራዊት ስዒሩ ክነሱ፤ ግዝኣት ሕጊ ኣኽቢሩ፤ ብረፈረንዱም ኣህጉራዊ ሕጊ ዘፍቅዶ መሰሉ ምርግጋጹ እዩ። ናይ ሓርነትን ልዑላውነትን ፍሉይ ቅያ ግን፣ ኣብ 1991 ኣይተዛዘመን። ናይ ዕብለላን ግዝኣተ-ጫካን ሓይሊታት፤ ዓለማዊን ዞባዊን ምልከቶም ንምንጋስ፤ ህዝቢ ኤርትራ ሩፍታ ረኺቡ፤ ዘዕነውዎ መሬቱ ምእንቲ ከይሃንጽ፤ ኣብ nዕንክሊል ናይ ፈጠራ ዶባዊ ግጭታት ጅሆ ንምሓዙ፤ ካብ ሓንሽ ናብ ባድመ፣ ናብ ዱሜራ . ዘካየዱዎ ሽርሕታት፣ ብሓይሊን ብሕጊን መኪቱ ስዒሩዎ’ዩ። ፍሽለት ውዲታቶም ከይቅበሉ ግን፤ ንዝህቢ ኤርትራ ብሰሎሎ ቅልውላዋት ንምምሳን፤ ልዕልና ሕጊ ረጊጾም ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ወሪሮም የዕንዉ’ለዉ።

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ