February 2, 2023

ቅያ ፈንቅል ዝወርዐ ሓድሽ ቅያ

መበል 33 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ኣብ ሕቚፊ ህዝቡ ዝመውቕ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ንቀንጠብጠብ ተደናደንቲን ዓንደርቲን ዝእድብ ቅያ ስርሒታት ጸረ-መጥቃዕቲ ኣመስኪሩ፣ ነቲ እጹብ-ድንቂ ታሪኽ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርዐ፡ ተወሳኺ ዘሐብን ታሪኽ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን ይዝከር ኣሎ። ስርሒት ፈንቅል፡ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ግንባርን፡ ኣብ ታሪኽ ወተሃደራዊ ግጥማት ዓለምና ሒደት መዳርግቲ ጥራይ ዝርከቦ፡ ብመሬትን ባሕሪን መስተንክር ቅያ ዝፈጸምሉ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ስርሒታት ሓርነታዊ ቃልስና እዩ። እዚ፡ ብጥበብ ውግእ፡ ብበርቃዊ ቅልጣፈን ስፍሓቱን ኣገራሚ፡ ናይ መወዳእታ ሱር መግዛእቲ ፈንቂሉ በሪ ናጽነት ዘርሓወ ስርሒት’ዚ፡ ዓመት መጽአ ብሓበን ዝዝከር ኮይኑ፡ ሎሚ ዓመት ብቅያን ጅግንነትን ሓድሽ ወለዶ ተዀሊዑ ኣሎ። ራእይን ዕላማን ሰማእታት ፈንቅል ኮነ ናይ ኩሎም ስውኣትና… ሓርነት እዩ።

download

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie