July 14, 2017

በትሪ ሓቂስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን

ሓተታ
ሓዳስ ኤርትራ ረቡዕ 12 ሓምለ 2017

‘ኣል-እትሓድ’ ዝተባህለ ናይ ኣቡዳቢ መዓልታዊ መንግስታዊ ጋዜጣ፡ ንመርበብ ‘ቐጠር ኢንሳይደር’ ከም ምንጪ ሓበሬታ ጠቒሱ፡ “ኣልሸባብ፡ መእተዊ ኣፍደገ ቐጠር ንሕንፍሽፍሽ ቀርኒ ኣፍሪቃ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ምሉእ ትርጉሙ ትማሊ ኣብ ማዕከናት ዜናና ቀሪቡ ነይሩ። እቲ ጽሑፍ ካብ ቀንዲ ነጥቢታቱ፦
1) ቐጠር፡ ንግብረሸበራዊ ጉጅለ “ሸባብ” ካብ ዝምውሉ ወገናት ሓንቲ ምዃና፣
2) ቐጠር ንሸባብ እትህቦ ደገፍ ብኣፍልጦን መምርሒን ተኸታታተልቲ ምምሕዳራት ዋሽንግቶን ምዃኑ፣
3) ኣመሪካውያን ብሓደ ወገን ኣብ ሶማል ኣንጻር ሸባብ ይቃለሱ ከምዘለው እናገለጹን ንመንግስቲ ሶማል ወተሃደራዊ ደገፍ እናለገሱን በቲ ካልእ ሸነኽ ቐጠር ነቲ ግብረሸባራዊ ጉጅለ ክትምውል ይደፋፍእዋ ምንባሮም፣
4) ቐጠር ንሸባብ እትገብሮ ምወላ ብመገዲ’ተን ኣብ ኤርትራ ዝነጥፋ ናይ ወፍሪ ኩባንያታታ ከምዝኾነ ዝእምት እዩ።

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ