September 5, 2015

ባሕቲ መስከረም
ልደት ክቡር ምዕራፍ ኣብ ሃገራዊ ታሪኽ

ሎሚ መበል 54 ዝክረ ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ሓደ መስከረም 1961፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 40ታትን 50ታትን ንመሰል ርእሰ ውሳነኡ ዘካየዶ ሕጋዊ፡ ሰላማዊን ፖለቲካዊን ቃልሲ ሰማዒ እዝኒ ምስሰኣነ፡ መሰል ርእሰ ውሳነኡ ብገዛእ ቅልጽሙ ከረጋግጽ፡ ንነዊሕን መሪርን ተጋድሎ ዝነቐለላ ዕለት ብምዃና፡ ልደትናይ ሓደ ረዚንን ክቡርን ምዕራፍ ኣብ ሃገራዊ ታሪኽና እያ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ባሕቲ መስከረም፡ ሰውራ ብምውላዕ፡ ሕድገት ዘየፍቅድ ምርጫኡ ንናጽነት እኳ እንተጉልሐ፡ እቲቃልሲ ካብ ፈለማ ምዕቡል ኮይኑ ኣይተወልደን። ምስ ግዜ ግን፡ ብፍላይ ድማ ምስ ምውላድ መሪሕ ውድብ ህ.ግ.፡እቲ ቃልሲ ቅኑዕ መኣዝን ብምሓዝ፡ ንመላእ ህዝቢ ዘስመረን ሓድነቱ ዘትረረን ሰፊሕ ናይ ቃልሲ ባይታ ብምፍጣር፡ሓደ ካብ ዓበይቲ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት ዓለምና ክኸውን በቒዑ። ኣብዚ ነዊሕን መሪርን መስርሕ ቃልሲ፡ ህዝቢኤርትራ ስነሓሳብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰረቶም፡ ሓበን ህዝቢን ሃገርን ዝኾኑ ወርቃዊ መትከላትን ክብርታትን ክዂስኰስክኢሉ እዩ። ኣብ መንጎ ኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖት፡ ጾታ፡ ቀቢላ፡ ቋንቋ፡ ባህሊንማሕበራዊ ቦታን ልዑል ስኒትን ጥምረትን ብምንዳቕ፤ ኩሎም ዜጋታት ከም ዕላማ ዝወስድዎ፡ ዝኣምንሉ፡ ዝምርሕሉ፡ዝከላኸልሉን ዝስውኡሉን መትከላት ብምምዕባል፤ ብመንነቱ ዝሕበን፡ ኣብ ገዛእ ሰባዊ ዓቕሙ ልዑል ምትእምማንዘለዎ፡ ብርቱዕ ህዝባዊ ስነኣእምሮ ክፈጥር በቒዑ እዩ።

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን