August 31, 2021

ባሕቲ መስከረም ኣብ መበል 60 ዓመቱ

ሙሓመድ ኑር ያሕያ
ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኤርትርያ ኣልሓዲሳ
እቲ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ክብሪ ዘለዎ ወርሒ መስከረም፡ ሎሚ ዘበን ንመብል 60 ዓመቱ ዚዝከር ዘሎ ኮይኑ፡ ቡኡ መጠን ድማ ዕድመ ናጻ ኤርትራ መበል ሰላሳ ዓመቱ ኣቕጺሩ ይርክብ። ወርሒ መስከረም መፈለምታ ናይ’ቲ ንሰላሳ ዓመት ዝተኻየደ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ነቲ ብ24 ግንቦት 1991 ዝተበሰረ ናጽነት ኤርትራ ዝወለደ ኢዩ። ክንዲ ዝኾነ ድማ ኣብ ታሪኽና ኣቦ 24 ግንቦት ኮይኑ ብወለዶታት ኤርትራ ብሓበን እናተዘከረ ክነብር ኢዩ። ከም ዝፍለጥ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብፍትሓወነት ጉዳይ ሃገሮም ዝኣምኑ ውሑዳት ተጋደልቲ ኢዩ ተጀሚሩ።እዞም እብቲ ሽዑ እዋን ባርኮት ርእሲ ሓያላን ሃገራት ዝረኸበ ሓይሊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ከይጃጀዉ ብዓመጽ ንዝተሰልበ ሃገራዊ ናጽነትን ክብርን ኤርትራን ዜጋታታን ብሓይሊ ብረት ንምርግጋጽ እዮም ተላዒሎም።እቶም ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ጎቦ ኣዳል ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ዘበሰሩ ቀዳሞት ሓርበኛታት ሰውራና ዋሕዲ ብረት እኳ እንተነበሮም፡ ንኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ዘሰደመመ ኒሕን ሓቦን ተቀኒቶም ኢዮም ነቲ ቃልሲ ጀሚሮሞ።እታ

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን