April 20, 2019

ተኪኤ በየነ
ስለምንታይ እዛ መጽሃፍ እዚኣ?

ንሓንቲ ስፍራ ዝኸውን እኽሊ ኣብ ቆፎ ይዕቀብ፡ ንሓንቲ እንዳ ኣብ ማዕከን፡ ንሓደ ዉሁብ ሕብረተሰብ ወይ ህዝቢ ዝኣክል ከኣ ኣብ ሪቕ ይኽዘን። ብተመሳሳሊ ካብ ዝሓለፋ ናይ ቃልሲ ወሎዶታት ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ፡ ነፍሲ-ዘከፍ ወዲ ሃገር፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ብቐጥታ ይኹን ብተዛዋሪ ኣብ መስርሕ ቃልሲ እጃም ዘበርከተ ኩሉ፡ ናይ ውልቁ ቆፎ ተዘክሮታት ወይ ታሪኽ ኣሎዎ። ይኹን`ምበር ከምቲ ኣብ ቆፎታትን ማዕከናትን ተዓቂቡ፡ ካብ ግቡእ ግዜኡ ንላዕሊ ዝተከዘነ እኽሊ ኣደዳ ነቐዝ ዝኸውን፡ ፈቐዶኡ ተዓቂቡ ዘሎ መስተንክር ዝመልኦ ታሪኽና`ውን ተመሳሳሊ ዕድል ከጓንፎ ኣብ ጫፍ ደልሃመት ዝሎ ኰይኑ ይስምዓኒ። ምኽንያቱ ድማ ሓያሎ ኣርካናትና፡ ማዕከናት ታሪኽና ብሕቱሙ ከይተኸፍተ ሒዞሞ ብሞት ይፍለዩና ስለ ዘሎው። እቲ ዝምልከቶ ኣካል ባዕሉ ስጉምቲ ይውሰደሉ ኢልካ፡ ኢድካ ኣጣሚርካ ትም ምባል ከኣ፡ ንነቐዝ ባልዕን ዕድል ምሃብ ስለ ዝዀኑ፡ ብወገነይ ብቑዕ ምኽንያት ኣይመስለንን።ዳሕረዋይ ክልተ ወሎዶ፡ መዘና ዘይብሉ ናይ መኸተ ታሪኽ ሰሪሑ ናጽነት ኣጎናጽፉ እንሆ። ብደምን

Latest Articles

من معالم مصوع الاثرية ضريح الشيخ دربوش

ተዛራቢ ጽሉል እንተኾነ፡ ሰማዒ ክልብም ኣለዎ!

Statement by Foreign Minister Osman Saleh on UN Day