March 22, 2024

ተዘክሮታት ሓመድ-ደበ ግንባር ናደው

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
እዚ መጽሓፍ’ዚ 188 ገጽ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ኣብ 2013 ኣብ ኣስመራ ብቤት ማሕተም “ሕድሪ” ተሓቲሙ ዝወጸ እዩ። ብብርክት ዝበሉ ጽሓፍቲ ዝተዳለወ ብዛዕባ ተዘክሮታት ምፍራስ ግንባር ሓይልታት መግዛቲ ኢትዮጵያ ኣብ ናቕፋን ምሕራር ከተማ ኣፍዓበትን ኣብ 19 መጋቢት 1988 ይገልጽ። እዚ ኲናት’ዚ ምብቃዕ ናይ’ቲ ንሓደ ዕቁድ ምሉእ (1978-1988) ዝቀጸለ መድረኽ ምርብራብን ንመግዛእታዊ ህላወ ኢትዮጵያ ካብ ሱሩ ንምብንቋስ ምስግጋር ናብ ደምሳሲ መጥቃዕቲን ዘበሰረ ብምዃኑ፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዓቢ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራውን ስነ-ኣእምራውን ነጥበ መቐይሮ’ዩ ነይሩ። መላእ ሓርነት ኤርትራ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ቅድሚ ምብሳሩ ኣብ ዝቀጸለ ሰለስተ ዓመታት ከኣ ከተማታት ኤርትራ ሓንቲ ድሕሪ ሓንቲ ኣብ ኢድ ህዝባዊ ግንባር ወዲቀን። እዚ ታሪኻዊ ዓወት’ዚ ንፍርቂ ክፍለ-ዘመን (1941-1991) መሪር ፖለቲካውን ዘይክማህ ወተሃደራውን ቃልሲ ድሕሪ ምክያዱ ዝመጸ እዩ

download

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie