February 9, 2012

ታሪኻዊ ቦታ በለው-ከለው ቀጽሪ ክስራሓሉ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ኣዘኻኺሮም፣

ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ዝርከብ ታሪኻዊ ቦታ በለው-ከለው። ቀጽሪ ክስራሓሉ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣዘኻኺሮም፣
እቶም ነበርቲ ነዚ ዝገለጹ። ታሪኻዊ ቦታ በለው-ከለው ዋላ’ኳ ምዱባት ሓለዋ እንተለውዎ። ሓደ ሓደ እዋን ጥሪት ናብ’ቲ ከባቢ ክኣትዋ ይረኣያ ብምህላወን። ኣብ ልዕሊ’ቲ ሃብታም ታሪኽ ዝሓቘፈ ቅርስታትን ኣሰራትን ከቢድ ሓደጋ ቅድሚ ምውራዱ ምክልኻል ከምዝምረጽ ኣረዲኦም፣

ሃለቃ በየነ ኣብርሃ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ። ታሪኻዊ ቦታ በለው-ከለው ሓደ ካብቶም ጥንታዊ ቅርስታት ዝርከቦ ቦታታት ኤርትራ ምዃኑ ብምግላጽ። ሃገራዊ ቤተ-መዘክር ኤርትራ ነቲ ድሮ ተታሓሒዝዎ ዘሎ ንጥፈታት ምዕቃብ ጥንታውን ታሪኻውን ቦታታት ብዝለዓለ ክደፍኣሉ፤ ውሑስ ንምግባሩ ድማ ዝያዳ ክጽዕር ተላብዮም፣

ወዲ 82 ዓመት መርጌታ ክፍለ ገብረስላሴ ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ። ዝኾነ ይኹን ኣፍልጦ ስለዘይነበረ። ኣብቲ ታሪኻዊ ቅርስታትን ኣሰራትን ዘለዎ ቦታ ክሳብ 1960ታት ሕርሻዊ ንጥፈታት የሰላስሉ ከምዝነበሩ፤ ኣብቲ ግዜ’ቲ ሓደ ወጻእተኛ ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ድሕሪ ዘካየዶ ኵዕታ ግን ነቲ ናይ ማሕረስ ንጥፈታት ከምዘቋረጽዎ ብምሕባር። ዛጊት ቀጽሪ ዘይምግባሩ ንብርሰት ዘቀላጥፍ ምዃኑ ኣረዲኦም፣

ታሪኻዊ ቦታ በለው-ከለው ብኣቈጻጽራ ግእዝ ኣብ 478 ድሕሪ ልደተ-ክርስቶስ ብኲናት ከምዝዓነወ – ካብ ብራና ንዝረኸብዎ ሓበሬታ ብምጥቃስ ዝሓበሩ መርጌታ ክፍለ። ድሕሪ ናጽነት ብዝተኻየደ ጎስጋስን ሓበሬታን ኣፍልጦኦም በሪኹ ኣብ ምዕቃቡን ነቲ ታሪኽ ናብ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ምስግጋርን እጃሞም ይገብሩ ምህላዎም ብምምልካት። ብወራር ወያነ ተገሚዑ ዝነበረ ሓወልቲ ብምትሕብባር ሃገራዊ ቤተ-መዘክር ኤርትራ ቅልጡፍ ጽገና ክግበረሉ ምኽኣሉ። ብደረጃ ሃገር ኣብ ታሪኻዊ ቦታትት። ቅርስታትን ኣሰራትን ንዝግበር ዘሎ ልዑል ኣቓልቦ ዘብርህ ከምዝኾነ ኣነጺሮም፣

“ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ማእከል ስነ-ጥንቲ’ያ” ዝበለ ሃለቃ በየነ ኣብርሃ። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካብ ውሽጥን ወጻእን ብዝመጹ ከምእትብጻሕ ብምግላጽ። ንከተማ ሰንዓፈ ከቢቦምዋ ዝርከቡ እምባታት’ውን ተወሳኺ ስሕበት ካብ ዝፈጥሩ ምዃኖም ኣብሪሁ፣

ታሪኻዊ ቦታ በለው-ከለው። ካብ ከተማ ሰንዓፈ ኣስታት 2 ኪሎ-ሜተር ንሸነኽ ደቡብ ርሒቑ ዝርከብ ኮይኑ። ኣብ መዝገብ ውርሻ ዓለም ክሰፍር ልዑል ትጽቢት ካብ ዝግበረሉ ታሪኻዊ ቦታታት’ዩ፣

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን