July 21, 2022

ትርጉምን ርብሓን ዑደት
ፕረስደንት ሶማል ናብ ሃገረ ኤርትራ

ብሙሓመድ ኑር ያሕያ
ፕረስደንት ሶማል ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ፕረስደንት ኢስያስ ኣፍወርቂ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ኣብ ኤርትራ ካብ ዐለት 9-12 ሓምለ ዝቀጸለ ናይ 4 መዓልታት ምብጻሕ ከም ዘኻየደ ዝዝከር ኢዩ።
ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ክልቲኦም ፕረስደንታት ንምዕዛዝ ዝምድና ታሪኻውን ፖለቲካውን ምትእስሳር ዘልዎም ህዝብታት ኤርትራን ሶማልን፡ ከም እውን ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያትን ጽልዋታቶም ኣገባባት ምግጣሞምን፡ብፍላይ ኣብ መቓን እዚ ህውከትን ቅልጡፍ ምዕባሌታትን ዝረኣየሉ ዘሎ ዓለምን ዘትዮም።
እዚ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝቀጸለ ምብጻሕ ፕረስደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ናብ ኤርትራ ኣገዳሲ ዝገበሮ፡ ሃገረ ሶማል ኣብ ትሕቲ ዘይርጉእ ጸጥታዊ ኩንታት ኣብ ዘላትሉን ፡ብፍላይ ድማ ፕረስደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ካብ ዝምረጽ ሓጺር ግዜ ኣቅጺሩ ብምህላዉ፡ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሮም ዘለዉ ብድሆታት ንምግጣም ግዜን ሃናጺ ምኽርን ስለዘድልዮ፡ብተወሳኺ ድማ እቲ ምስ ሓዉ ፕረስደንት ኢስያስ ኣፍወርቂ ምይይጥ ዝገብረሉ ንክልተአን ሃገራት ዘገደስ ጉዳያትን ዞባዊ ዛዕባታትን ኣገዳሲ ይገብሮ።

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ