September 24, 2025

ትንተና ፖሊሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
ትርጉም፥ ዑቕባስላሰ መሓሪ
ኣብዚ መጨረሽታ እዋን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ርእሲ’ቲ ሰራዊት ብምኽታት ወደብ ዓሰብ ኤርትራ ብሓይሊ ክሕዞ’የ እናበለ ዝፈራርሓሉ ዘሎ ግዜ፡ ዝኽተሎ ዘሎ ተጻባኢን ኣስፋሕፋሒን ፖሊሲ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወጥሪ እናዛየደ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ሓዊ እንተ ድኣ ተባሪዑ፡ ሃልሃልታኡ ኣብ’ዚ ብመሰረቱ ዝልብለብ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክልሕም ምዃኑ ድማ ዘማትእ ኣይኮነን። ከምኡ’ውን ኣብቲ “ዓረባዊ ጽድያ” ኣብ 2011 ኣብ የመን ካብ ዝኣተወሉን ንስርዓት ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ብምግላፍ ኣብ የመንን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን መጻብቦ ባብ ኤልመንደብን ብቐጥታን ተዘዋዋሪን ናይ ዞባውን ኣህጉራውን ሓይልታት ምትእትታው ኣፍደገ ዝኸፈተሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ሽግራት ዘተኣናግድ ዘሎ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ግምት ዘይተገብረሉ ከቢድ ሳዕቤን

download

Latest Articles

ምሕያል ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ

Exploring the Marine Wonders of Eritrea

ወግዒ ታሪኽ ፈንቅል – ቅያ ኣናብስ