January 21, 2017

ትንታነ ንመልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ
ናብ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን

ዶ/ር ኣሕ መ ድ ሓሰን ድ ሕ ሊ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ23 ታሕሳስ 2016 ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት ማለት 2017 ናብ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን መልእኽቲ ሰዲዱ። መልእኽቲ ፕረዚደንት ብዙሕ ኣገዳሲ ትሕዝቶታት ዝሓቆፈ ኮይኑ፡ ኣብ ክልተ መሰረታውያን ጉዳያት ማለት ኣብ’ቲ ኣህጉራዊ ባይቶ ጸጥታ ብ23 ታሕሳስ 2009 ዘሕለፎ ዘይሕጋውን ዓማጺን ውሳነን፡ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ13 ሚያዝያ 2002 ውሳነ ሂቡ ከብቅዕ ኢትዮጵያ ግን ኣስታት ሓደን ፈርቃን ዕቁድ ኣብ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ጎበጣኣ ምቅጻላን ዘተኮረ ነይሩ።
እዚ ትንታነ’ዚ ከኣ ኣብ’ቲ ኣብ መልእኽቲ ፕረዚደንት ብንጹር ሰፊሩ ዘሎ ክልተ መሰረታውያን ጉዳያት ዘተኮረ ክኸውን እዩ።

ቀዳማይ፦ ዘይሕጋዊ እገዳ ኣህጉራዊ ባይቶ ጸጥታ

ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት ዝተዘርግሐ መልእኽቲ ፕረዚደንት ብ31 ታሕሳስ 2016 ዘይኮነስ፡ ብ23 ታሕሳስ እዩ ተጻሒፉ። እዚ ድማ ታሪኻውን ፖለቲካውን ምኽንያታት ኣለዎ። መልእኽቲ ፕረዚደንት ብኣጋጣሚ ምውዳእ 2016 ምእታው 2017 ነቲ ልሙድ

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን